ኣብ 48 ሕግታት ሓይሊ ዘሎ ጽሑፋት ናይ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ዕድመ ኣሎዎ፤ ካብ ጥንታዊት ቻይና ክሳብ ናይ ዘመነ-ተሃድሶ ኢጣልያ ክሳብ ዘመናዊት ዓለም።
ሓጺር መግለጺ
እቶም ልዕሌኻ ዘለዉ ልዕሌኻ ምዃኖም ክስምዖም ኣለዎ። ንዓኦም ከተሐጒስ ወይ ከተደንቕ ክትብል፡ ክእለታትካ ኽሳብ ምርኣይ ኣይትብጻሕ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ፍርሕን ትሑት ነብሰተኣማንነትን ከም ዝስምዖም ኢኻ ክትገብር። ንጐይቶትካ ኻብቲ ዝለዉዎ ንላዕሊ ዝበልጹ ኾይኖም ከም ዝርኣዩ ግበር’ሞ፡ ሓይሊ ኽትጭብጥ ኢኻ።
እዚ ሕጊ ኽጠሓስ ከሎ
ካብ ቀዳሞት ሚኒስተራት ፋይናንስ ናይ ንጉስ ሉዊ 14 ዝነበረ ኒኮላ ፉኬ፡ ውዕዉዕ ድግሳት፡ ጽቡቓት ጐራዙን ግጥምን ዝፈቱ ለጋስ ሰብ እዩ ነይሩ። መነባብሮኡ ኣዝዩ ገፊሕ ስለ ዝነበረ፡ ገንዘብ’ውን ይፈቱ ነይሩ። ፉኬ፡ ንፉዕን ነቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ ብምንባሩን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ 1661 ምስ ዓረፈ ተካኢኡ ኽምረጽ ተስፋ ገበረ። እቲ ንጉስ ግን ነቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ዝብሃል መዝነት ብዓቢኡ ኣለዮ። ፉኬ እዚን ካልእን ምልክታት ምስ ኣስተብሃለ ምስቲ ንጉስ ዝነበሮ ዝምድና ንምምሕያሽ ዓለምና ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዓቢ ድግስ ከዳሉ ወሰነ። እቲ ድግስ ነቲ ተሃኒጹ ዝተፈጸመ መንበሪ ቤት ናይ ፉኬ ንምምራቕ ተባሂሉ ኽዳሎ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ግን ነቲ ናይ ክብሪ ጋሻ ኾይኑ ዝተዓደመ ንጉስ ሉዊ ንምምጓስ ነበረ።
ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበሩ ክቡራትን ምሁራትን ኤውሮጳ ናብቲ ድግስ ተዓዲሞም መጽኡ። እቲ ድግስ ሸውዓተ ዓይነታት መግቢ ብዝነበሮ ድራር ጀመረ። እቲ መግቢ፡ ገሊኡ ዝበዝሑ ዕዱማት ጥዒሞሞ ዘይፈልጡ ኻብ ሃገራት ምብራቕ ዝመጽአ ክኸውን ከሎ ገሊኡ ድማ ነታ ሽዓ ምሸት ተባሂሉ ዝተዳለወ ፍሉይ ዓይነት ነበረ። ምስቲ መግቢ ድማ ንኽብሪ’ቲ ንጉስ ዝተዳለወ ሙዚቃ ይህረም ነበረ።
ድሕሪ ድራር፡ እቶም ዕዱማት ነቲ ሓድሽ ርሻን ተዛዋዊሮም ተዓዘቡዎ። ንጉስ ሉዊ፡ ንቨርሳይ (ቤተመንግስቱ) ካብዚ ናይ ፉኬ መንበሪ ርሻን ተበጊሱ ኸም ዝሰርሖ እዩ ዝዝረብ።
ፉኬ ምስቲ መንእሰይ ንጉስ ብምዃን ነቲ እጹብ ስፍራ ኣታኽልቲ ተዓዘቡዎ። ኣብቲ ደረት ምስ በጽሑ ድማ ስርሓተ ሓዊ ተተኰሰ፣ ተዋስኦ ድማ ተዓዘቡ። እቲ ድግስ ዳርጋ ምሉእ ለይቲ ቐጸለ። ዝበዝሑ ዕዱማት ድማ እቲ ዝበለጸ ድግስ ናይ ህይወቶም ምንባሩ ተሰማምዑሉ።
ንጽባሒቱ ፉኬ በቲ ንጉስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተወ። ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ግምጃ ናይታ ሃገር ብምስራቕ ተኸሰሰ። (ሓቂ ንምዝራብ፡ ዝበዝሐ እቲ ዝሰረቖ ብስምን ፍቓድን እቲ ንጉስ ዘካየዶ እዩ ነይሩ።) ፉኬ ገበነኛ ኾይኑ ስለ ዝተረኽበ፡ ናብታ ዝጸመወት ቤትማእሰርቲ ናይ ፈረንሳ (ኣብ ኣኽራን ፒሬኔ እትርከብ) ተወሲዱ ዝተረፈ ዕስራ ዓመታት ናይ ህይወቱ ኣብ ብሕታዊ ማእሰርቲ ኣሕለፎ።
ትርጒም
ነዚ ፍጻመ ንተንትኖ። ኣብታ ምሸት’ቲኣ ፉኬ ሓደ ኻብቲ ሓደ ዘይሰንፍ ብሉጽ ምርኢት ንሉዊ ኸርእዮ ኸሎ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንጉስ ዘሎዎ ተማእዛዝነትን ተወፋይነትን ዘርኢ ዝነበረ እዩ መሲሉዎ። እቲ ንጉስ ክፈትዎ ጥራይ ዘይኮነ ተጸብዩ፡ እቲ ንጉስ፡ ነቲ ዘሎዎ ኽእለትን ህቡብነትን ርእዩ ኸም ቀዳማይ ሚኒስተር ክጠቕመኒ እዩ ኢሉ ኽሓስብ’ውን ተጸብዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግን ዘዝገበሮ ብሉጽ ትርኢትን ዘዝረኸቦ ኽምስታ ዕዱማትን ነቲ ንጉስ፡ ገዛእ ፈተውቱን ህዝቡን ካብኡ ንላዕሊ ብናይ ፋይናንስ ሚኒስተሩ ኸም ዝድነቑ እዩ ኣርእዩዎ። እቲ ንጉስ፡ ናይ ፉኬ ክእለትን ተወፋይነትን ዘይኮነ ናይ ፉኬ ሃብትን ሓይልን እዩ ተራእዩዎ። ፉኬ በቲ ዘካየዶ ድግስ ንንጉስ ሉዊ ወዲሱዎ ዘይኮነስ ጸሪፉዎ እዩ። ሉዊ፡ እቲ ዝተሰምዖ ስምዒት ንዝኾነ ሰብ ክኣምነሉ ኣይክእልን እዩ፣ ነብሰተኣማንነቱ ከም ዘጒድል ንዝገበሮ ፉኬ ግን ምሹው ምኽንያት ረኺቡሉ።
ብዝተፈላለየ መገዲ ነቶም ልዕሌኦም ዘለዉ ነብሰተኣማንነቶም ከም ዝጐድል ዝገብሩ፡ ትምክሕቶም ከም ዝትንከፍ ዝገብሩ፡ ወይ’ውን ብልዕልናኦም ከም ዝጠራጠሩ ዝገብሩ ዕጫኦም ከም ናይ ፉኬ እዩ።
እዚ ሕጊ ክኽበር ከሎ
ኣብ መጀመርታ 1600’ታት፡ ኢጣልያዊ ሊቅ ስነህዋን ሕሳብን ጋሊልዮ ኣብ ኣስጋኢ ኹነታት ወዲቑ ነይሩ። መጽናዕትታቱ ብዓበይቲ ሰበስልጣን ከይተሓገዘ ከካይዶ፡ ከም ኩሎም ሊቃውንቲ ዘመነ ተሃድሶ ንገለ ኻብ ምህዞታቱን ርኽበታቱን ነቶም ዓበይቲ ሰብስልጣን ከም ህያብ የወፍዮ ነይሩ። ሓደ እዋን ሓንቲ ዝመሃዛ ወተሃደራዊት ቡሶላ ንመስፍን ጎንዛጋ ከም ህያብ ሃቦ። ንኣጠቓቕማ እታ ቡሶላ እትገልጽ መጽሓፍ ድማ ንእንዳ ሜዲቺ ሃቦም። ክልቲኦም ሰብስልጣን ብህያቡ ተሓጐሱ፣ ጋሊልዮ ድማ መጽናዕትታቱ ክቕጽል ክኢሉ። እንተኾነ ዓበይቲ ህያባት እና’በርክተሎም ንሳቶም ህያባት’ምበር ገንዘብ ኣይህቡዎን ነበሩ። እዚ ድማ ህይወቱ ኣብ ቀዋሚ ፍርሕን ጽግዕተኛንነትን ከም ዘሕልፋ ኾነ። ስለዚ ኻልእ መገዲ ኽረክብ ሓለነ።