ካብ ማይ ሓቒቕ ዝነጽህ ሓቂ እዩ፤ ደቅተባዕትዮ ቀለልቲ እዮም። ቅድሚ ዝኣገረ ነዚ እንተ ፈሊጥኪ፡ ኵሉ ኣብዚ መጽሓፍ ትመሃርዮ ብዘይ ገለ ጸገም ሰተት ኢሉ በቦትኡ ኽሕዝ እዩ። እዚ ምስ ተሰወጠኪ፡ ሒደት ክትፈልጥዮም ዘሎኪ ተወሰኽቲ ነገራት ኣለዉ፤ ደቅተባዕትዮ ብመን ምዃኖም፡ ብእንታይ ይሰርሑ፡ ከምኡ’ውን ብኽንደይ ገንዘብ የእትዉ እዮም ዝድረኹ።

ሰብኣይ ኣመሓዳሪ ትካል ድዩ ጒሒላ፡ ወይ’ውን ክልቴኡ ብዘየገድስ፡ ኵሎም ዝገብሮም ነገራት ብመናፊት መዓርጉ (መን ምዃኑ)፡ ነቲ መዓርግ ብኸመይ ረኺብዎ (እንታይ ይሰርሕ)፡ ብሳላ ጻዕሩ ዝረኽቦ ዓስቢ (ክንደይ ገንዘብ ይኽፈል) እዩ ዘሕልፍ። እዞም ሰለስተ ነገራት እዮም ዝኾነ ወድተባዕታይ ስብእነቱ ዘረጋግጸሎም መሰረታት። ነዞም ሸቶታቱ ኽሳብ ዘይሃረመ፡ እቲ ምስኡ ትዞሪ ዘለኺ፡ ወይ’ውን ዝተመርዓኽዮ ሰብኣይ ኣባኺ ጥራይ ከተኵር እኹል ግዜ የብሉን።

ሕስብ’ሞ ኣብሊ፤ ዝኾነ ወድተባዕታይ ናብዛ መሬት ካብ ዝመጽኣላ ህሞት ኣትሒዙ ከባቢኡ ሰብኣይ ክኸውን እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ እዩ ዝሕብሮ። ዓንተር ክኸውን፡ ክቃለስ፡ ከይበኸየ ኻብ ዝወደቆ ሓመዱ ነጊፉ ኽትንስእ፡ ብዝኾነ ሰብ ከይድፈርን እዩ ዝስልጥን። ኣበርቲዑ ኽሽቅል፡ ኣብ ገዛ ዝተበላሸወ ኽጽግን፡ ኣስቤዛ ኻብ ማኪና ኸውርድ፡ ጐሓፍ ክጉሕፍ፡ ውርጪ ብባዴላ ኽጸርግ፡ ሳዕሪ ኽቕምቅም፡ ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጽሐ ድማ ስራሕ ክረክብ ከም ዘለዎ እዩ ዝንገር።

ኣደኡ፡ ኣሓቱን ንኣሽቱ ኣሕዋቱን ክሕሉ፡ ከምኡ’ውን ሃብትን ንብረትን ስድራ-ቤቱ ክከላኸል እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ። ስም ስድራ-ቤቱ ዘጸውዕ’ውን ንሱ ኣዩ። ዓቕሚ ኣዳም ምስ ኣኸለ ኵሉ ሰብ መን ወዲ መን እዩ፡ እንታይ ይሰርሕን ክንደይ ገንዘብ የምጽእን ክፈልጥ ኣሎዎ። ነዚኦም ምስ ዝገብር ጥራይ ሰብኣይ ከም ዝስመ እዩ ዝንገር።

እዚ ጉዕዞ ዋላ ክንዲ ሰብ ኣብ ዝኣኸለሉ’ውን ደው ዝብል ኣይኮነን። ግደ ሓቂ መሊሱ ብዝተዓጻጸፈ መልክዑ እዩ ዝቕጽል። ወትሩ ኵሉ ኣተክሮኡ ኣብ መን ምዃኑ፡ እንታይ ይሰርሕን ክንደይ ገንዘብ የምጽእን እዩ። ዝኾነ ወድተባዕታይ ነዞም ዕላማታት ክሳብ ዘይወቕዐ ድማ ደቀንስትዮ ነቶም ዝተረፉ ነቓዓት ጥራይ እየን ዝምልኣ። ነዞም ሰለስተ ሸቶታት ክሳብ ዘይጨበጠ ብዛዕባ ሓዳር፡ ቈልዑ፡ ወይ ድማ ገዛኻ ምስ ካልኣይትኻ ፈሊኻ ስድራ-ቤት ምምስራት ፈጺሙ ሓሳብ የብሉን።

ናተይ ተመኲሮ’ውን ተመሳሳሊ እዩ። ኣብ ፈለማ ዕስራታት ዕድመይ ካብ ፎርድ ሞቶርስ ምስ ተሰጎግኩ ዝተሰመዓኒ ብስጭትን ሓዘንን ክሳብ ሎሚ ኻብ ኣእምሮይ ኣይሃስስን እዩ። ኣብቲ እዋን ድሮ ናይ ኮለጅ ትምህርተይ ኣቋሪጸ ብምንባረይ፡ ካብ ስራሕ ምስጓግ ተደሪብዎ፡ ስድራ-ቤተይን ገዛእ ርእሰይን ክጥውር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ወደቕኩ። መስቀላዊ መገዲ ረጊጸ ድማ መጻእየይ ክርኢ ተሸገርኩ። እንታይ እየ ኽሰርሕ፡ ክንደይ ገንዘብ እየ ኸምጽእ፡ ወይ በየናይ መዓርግ እየ ክጽዋዕ እንዶ ኣይነበረንን። “ምሩቕ ኮለጅ” ወይ “ተቘጻጻሪ ፎርድ” ዝብሉ መዓርጋት ጭሕሚ ሰበይቲ ኮይኖም እዮም። ናብ ቤተይ እኹል ገንዘብ ሒዘ ኽኣቱ ዘሎ ተኽእሎ ናብ ባዶ ወሪዱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገንዘብ ብኸመይ ከምጽእ ከም ዝኽእል’ውን ተስፋ ይኹን ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ኮታስ ደጊመ ብኽልተ ኣእጋረይ ደልዲለ ረጊጸ ምስጓም ንኽጅምር ነዊሕ እዩ ወሲዱለይ።

ካብ ስራሕ ናብ ስራሕ ተናጠርኩ፤ ትካል ሕጽቦ መንጸፍ ከፈትኩ፡ ናይ ስነ-ጽባቐን ጥዕናን ፍርያታት ሸጥኩ፡ ናይ መድሕን ትካላት’ውን ኣዋዓዋዕኩ። ህይወተይ ክመርሕ ኣብ ጸደፍደፍ ብምንባረይ፡ ኣብ’ቶም እዋናት ብዓልቲ-ሓዳር ትኾነኒ ጐርዞ ምንዳይ እቲ ናይ መወዳእታ ባህገይ ነበረ።

ብድሕር’ዚ ሓደ ለይቲ ሓንቲ ዋዛታት ዝጽሕፈላ ዝነበርኩ ጐርዞ ናብ ኣብ ከባብየይ ዝነበረ ክለብ ከይደ ኣብቲ ናይ ጀመርቲ ምርኢት ክምዝገብ ኣተባባዓትኒ። ረሲዐልኪ’ባ፡ መስሓቅ ምዃነይ ድሮ ይፈልጥ ብምንባረይ፡ ንገለ ሓሓሊፎም ኣብ ከባቢና ምርኢት ከርእዩ ዝመጽኡ ኮመድየኛታት ዋዛታት እናጸሓፍኩ ቚሩብ ቊራቦ ኣቅራሽ የዋህልል ነይረ እየ። ግዳኸ ብዉልቀይ ምርኢት ብዝዕባ ምቅራብ ዝኾነ ግምት ይኹን ኣፋፍኖት ኣይነበረንን። ግዳኸ እዛ ጐርዞ ዕቁር ዓቕመይ ይረኣያ ብምንባሩ፡ ኣብ መድረኽ ደይበ ዋዛታት ከዕልል ጎስጎሰትኒ።

1.png

ቃላ ኣየዕበርኩን። ተዓወትኩ ድማ። ዋዛታት ኣዕሊለ ዝተኸፈልክዎ 50 ዶላር በዚ ሎሚ ብዙሕ ዘይክመስል ይኽእል’ኳ እንተ ኾነ፡ ምስቲ ጠፊሸዮ ዝነበርኩ ግና 5,000 ዶላር ዝተኸፈልኩ ኾይኑ ተሰመዓኒ። ኣብ ዝስዕብ ምርኢት ጀመርቲ ቀዳማይ ኮይነ እንተ ተዓዊተ’ውን ተወሳኺ 50 ዶላር ክኽፈል ምዃነይ መብጽዓ ተኣትወለይ። ዝሰዓበት መዓልቲ ኣብ ከባብየይ ናብ ዝርከብ ቤት-ማሕተም ከይደ፡ ‘ስቲቭ ሃርቪ፡ ኮመድየኛ’ ከምኡ’ውን ቍጽሪ ተሌፎነይ ዝተጻሕፎም ካርድታት-ዋኒን ዓሰርተው-ሓምሽተ ዶላር ከፊለ ኣሕተምኩ። እዞም ካርድታት ዝጋነን ጽባቐ’ኳ እንተ ዘይነበሮም፡ እንተ ወሓደ ግዳ ኣነ ስቲቭ ሃርቪ ምዃነይ (መን ምዃነይ)፡ ከምኡ ድማ ፍሉይ ክእለት ኮሜዲ ኸም ዘሎኒ (እንታይ ከም ዝሰርሕ) ከፍልጡ እኹላት ነበሩ። ንመጻኢ ክንደይ ገንዘብ ከእቱ ምዃነይ ቀስ ኢልካ ዝርአ’ኳ እንተ ነበረ፡ እንተ ወሓደ ግና “መን ምዃነይን” “እንታይ ከም ዝሰርሕን” ፈለጥኩ።

ደቅተባዕትዮ ሕልምና ንስዕብ እንተ ዘየሎና—“መን ምዃና፡” “እንታይ ንሰርሕን፡” “ክንደይ ገንዘብ ንረክብን፡” እንተ ዘየነጺርና ንዕርበትና እዩ። ብደውካ ሞት እዩ። ነዚ ሕንቅልሕንቅሊተይ ፈቲሕና ሕልምታትና ቅርጺ ዝሕዙ ዘለዉ ኾይኑ እንተ ተሰሚዑና ግና ደጊምና ዝተፈጠርና ኾይኑ ይስመዓና። ወንና ይበራበር፡ ዉዕዉዕ መንፈስ ይወረና፡ ግርማ ሞጎስ ድማ ይወርሰና። ካብታ ኮመድየኛ ዝኾንኵላ ሰዓት እምበኣር ሞራለይ ተበራቢሩ፡ ናብቲ መድረኽ ወትሩ ዝበለጽኩ ንክኸውን ተዳልየ ብወኒ ይድይብ ነበርኩ።

ክሳብ ሎሚ፡ ክንዲ ምንታይ ደኺመ ኣለኹ፡ ወይ ኣብ ህይወተይ ኣየናይ ሽግር ይገጥመኒ ኣሎ ብዘየገድስ፡ ናብ ስራሕ ፈጺመ ኣይድንጒን፡ ዋላ ንእሽቶ ምርኢት ይኹን ድማ ሓንቲ መዓልቲ’ውን እንተ ኾነት ጠሊመ ኣይፈልጥን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኻብ ድቃሰይ ወትሩ ኣብ ሕልመይ እየ ዝበራበር። ኣብ መደብ ራድዮ “ንግሆ ምስ ስቲቭ ሃርቪ” ድዩ ዋላ ኣብ’ቶም ብዙሓት ናይ ተሌቪዥን መደባተይ፡ ወይ ኣብ መድረኽ ኣብ ዘቅርቦም ናይ ቀጥታ ምርኢታት ሕልመይ ብህያው እየ ዝነብሮ። ኣነ ስቲቭ ሃርቪ እየ። ዝሰርሖ ዘየጠራጥር እዩ፤ ኮሜዲ። መጠን ዘእትዎ ገንዘብ ድማ ንስድራ-ቤተይን ንኣይን ኣኺሉ ዝተርፍ ክንድ’ቲ ወትሩ ዝተመነኽዎ እዩ።

እምበኣር ሕጂ ናብ ስድራ-ቤተይ ከተኵር ይኽእል እየ። መናድቕን ናሕስን ቤተይ ቀለም ተለሚጾም፡ መናብር፡ ኣኻልብ፡ ማካይን፡ ናይ ደቀይ ክፍሊት ቤት-ትምህርቲ፡ ኮታ ኵሎም ዘድልዩኒ ወጻኢታት ተሸፊኖም እዮም። ልክዕ ከምቲ ወትሩ ዝሓልሞ ዝነበርኩ ክጥውሮም፡ ልክዕ ከምቲ ዝዓበኽዎ ክከናኸኖምን ክሕልዎምን በቂዐ እየ። ብዓይኒ ስድራ-ቤተይ ሕቶን ርእይቶን ዘይብሉ ሰብኣይ እየ። እዚ ማለት ድማ ለይቲ ናብ ዓራተይ ክድይብ ከለኹ ዝኾነ ሕርኽርኽ ዝብለኒ የሎን። ኵሉ ነጺሩ እዩ።

እቲ ዝበለጸ ተጻዋቲ ኵዕሶ ሰኪዐት፡ ዓላሚ ንእሽቶ ጋንታ፡ ወናኒ ዓርሞሸሽ ትካል፡ ሓለቓ ዓቢ ጉጅለ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ፡ ሓለቓ ሰንካቶ ኣብ እንዳ ፎርኖ ይኹን ኣብ ጐደና ዝሸይጥ መንእሰይ ብዘየገድስ እቲ ንዝኾነ ሰብኣይ ዝደፍኦ ድርኺት እዚ እዩ። ንሕና ቀረብትን ተኸላኸልትን ስድራ-ቤት ምዃንና፡ ኵላቶም ተግባራትና ድማ ነዚ ኽንፍጽም ናብ ዘኽእሉና መገድታት ዘነጻጸሩ ምዃኖም፡ ኣብ ሱር-መፈጠርና ዝተሰረተ ባህሪ እዩ። ዝኾነ ሰብኣይ ዝነብረሉ ቤት እንተ ኣውሒሱ ንስድራ-ቤቱ ካብ ኵሎም ተጻብኦታት ክሕሉ ይኽእል ማለት እዩ። ንወዱ ዘበናዊ ጽምዲ ሳእኒ ኽዕድገሉ እንተ ኽኢሉ፡ ናብ ቤት-ትምህርቲ ውሕስነትን ርእሰ-ምትእምማንን እናተሰምዖ ኽሰዶ ይኽእል። ናብ ዕዳጋ ወሪዱ መግቢ ኽዕድግ ዝኽእል እንተ ኾይኑ፡ ስድራ-ቤቱ ኽቕልብ ከም ዝኽእል ውሕስነት ይስምዖ። ዝኾነ ሰብኣይ ዝደልዮ እዚ እዩ። ነዚ ኽቕርብ ምስ ዘይክእል ድማ ሰብኣይ ዝኾነ ኾይኑ ኣይስምዖን።

ልዕሊ ኵሉ ድማ ቍጽሪ ሓደ ምዃንና ኽንፈልጥ ንደሊ። ኣበይ ብዘየገድስ ዝበለጽና ኽንከውን ንደሊ። ኣብ መሪሕነት ክንህሉ ንደሊ። ኣብ ኵሉ መራሕቲ ኽንከውን ከም ዘይንኽእል ንፈልጥ’ኳ እንተ ኾንና ግዳኸ እንተ ወሓደ ኣብ ሓደ መዳይ ቀንዲ ኣተኵሮ ክንረክብ ንብህግ። እዚ ንኣና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። “ኣነ ቍጽሪ ሓደ እየ፡” እናበልና ኽንፍክር ንደሊ። ደቀንስትዮ ኣብዚ ብዙሕ ተገዳስነት ዘለወን ኣይመስላን። ንኣና ንደቅተባዕትዮ ግና፧ እዚ ኵሉ እዩ። ነዚ ምስ ኣውሓስና፡ ቍጽሪ ሓደ ምዃንና ኵሉ ክፈልጠልና ንደሊ። ከነርእዮ ኣሎና፡ ደቀንስትዮ ድማ ክርእይኦ ኣለወን። ከምኡ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ ቍጽሪ ሓደ ምዃንና እንታይ ፋይዳ ኣሎዎ፧

ነዚ ድርኺት ኽትፈልጥዮ ዘሎኪ፡ ሰብኣይ ስለምንታይ ኣብ ገዛ ዘየሎ፡ ንምንታይ እዩ ኣብ ስራሕ ነዊሕ ሰዓታት ዝጸንሕ፡ ንምንታይ እዩ ኣብ ገንዘብ ቆይቆይ ዝብል ወዘተ ኽትርድኢ ስለ ዘሎኪ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዓለሙ ብመሰረት ዝሰርሖ፡ ማዕርጉ፡ ከምኡ’ውን ክንደይ ገንዘብ የእቱ ብኻልኦት ደቅተባዕትዮ ይፍረድ እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ንስምዒታቱ ይጸሉ። ኣብቲ ክህልዎ ዝግባእ ዘየሎ ኾይኑ ከም ዝስምዖ እንተ ፈሊጥኪ፡ ንምንታይ ኣብ ገዛ ገጭገጭ ይብል ኣሎ ኽበርሃልኪ እዩ። ንምንታይ ኮፍ ኢሉ ዘየዕልለኪ ዘሎ ድማ ክርደኣኪ እዩ። ንምንታይ ለይትን መዓልትን ሃሙን ቀልቡን ኣብ ስራሕ ጥራይ ኣሎ ክንጽረልኪ እዩ። እዞም ሰለስተ፡ እቶም ብሓቂ ዝድርኽዎ ነጥብታት እዮም።

ስለዚ ኣብ ኣእምሮኡ ከምቲ ክኾኖ ዝደሊ እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብቲ ክሰርሖ ዝደሊ እንተ ዘየሎ ከምኡ ድማ ክንድቲ ከምጽኦ ዝብህግ ገንዘብ ዘየምጺኡ፡ ንኣኺ’ውን ከምቲ ክኾነልኪ ዝደልዮ ክኾነልኪ ኣይክእልን እዩ። ከም ውጽኢቱ እቲ ክህልወኪ ትደልይዮ ሰብኣይ ኣይክትረኽብን ኢኺ። ኣእምሮኡ ኣብ ብኸመይ ገንዘብ የምጽእ ወይ ብኸመይ ዝሓሸ ቦታ ስራሕ ይሕዝ ስለ ዘሎ፡ ምሳኺ ኮፍ ኢሉ ኣይከዕልለክን፡ ሓቢሩ ብዛዕባ መርዓን ስድራን ኣይክሓልምን፡ ከምኡ ድማ ከመይ ዝበለ ሰብኣይ ክኾነልኪ ከም ዘለዎ ኣይክሓስብን እዩ።

ካብ ተመኵሮይ፡ ደቀንስትዮ ነዞም ረቛሒታት ብዙሕ ኣይርድእኦን እየን። ዝበዛሕክን ሰብኣይ ብሓቂ እንተ ኣፍቂሩክን፡ ክልቴኹም ሓቢርኩም ሕልምታትኩም ክትጭብጡ ዘለኩም እዩ ዝመስለክን። ንኣኽን ርግኣት ኣገዳሲ’ኳ እንተ ኾነ፡ ግዳኸ እቲ ሰብኣይ ኣበየናይ ደረጃ ወይ ኵነታት ህይወት ኣሎ ብዘየገድስ ሓቢርክን መሰረት ክትሃንጻ ኢኽን ትብገሳ። እዚ ጭዋ ተግባር’ኳ እንተ ኾነ ደቅተባዕትዮ ዝርእይሉ መነጽር ግና ከምኡ ኣይኮነን። ሰብኣይ ናብቲ ዝርከብ ዓስቢ እዩ ዘተኵር። ኣብቲ ክበጽሖ ዝደሊ ደረጃ እንተ ዘይበጺሑ ድማ እቲ ዓስቢ ግድን ኣይኮነን ንስኺ ኽትኮኒ። ደቅተባዕትዮ ኣብ ሓደ እዋን ናብ ክልተ ዕላማታት ከነተኵር ኣይንኽእልን ኢና። ክሳብ ክንድኡ ዕድለኛታት ኣይኮንክንን።

ከይትጋገዪ፡ ሰብኣይ ግድን ብዙሕ ገንዘብ ክህልዎ ኣሎዎ ማለት ኣይኮነን፡ ሕልምታቱ ከም ዝበጽሖም እንተ ኣሚኑ፡ ማለት ማዕርጉ ንጹር እንተ ኾይኑ፡ መኣዝኑ ናብቲ ኽበጽሖ ዝደሊ እንተ ኣነጻጺሩ፡ ገንዘብ ክመጽእ ምዃኑ ድማ ርግጸኛ እንተ ኾይኑ፡ ብቐሊሉ ኽሰክንን እቲ ክኾኖ ዝደሊ ሰብኣይ ክኸውን ኣብ ቀረባ ከም ዘሎ ክኣምንን እዩ።

ናብኡ ኽበጽሕ ክትሕግዝሉ ትኽእሊ መገዲ ኣብ ሕልሙ ኸተኵር፡ ራእዩ ኸነጽር፡ ከምኡ ድማ መደባቱ ክሕንጽጽ ምድጋፍ እዩ። ነብስኺ ኣብዚ መደብ ክትርእይያ ትኽእሊ እንተ ዄንኪ (ናይዚ ንጹር ስእሊ ኣብቲ “ዝኾነት ጓለንስተይቲ ቅድሚ ዝምድና ምዕማቝ ክትሓቶም ዘለዋ ሓምሽተ ሕቶታት” ዝብል ምዕራፍ ብንጹር ክትረኽብዮ ኢኺ)፡ ብድሕር’ዚ ከይተጠራጠርኪ ቀርቀብ ኣብልዮ። ኣይትፈንውዮ። ምኽንያቱ ኣብቲ ተስፋ ኣንቢሩሉ ዘሎ ደረጃ ምስ በጽሐ፡ ዝሓሸን ዝያዳ ሕጉስን ሰብኣይ ክኾነልኪ እዩ። ንስኺ ድማ ብተመሳሳሊ ሕጉስቲ ኽትኮኒ ኢኺ።