ብቛንቋታት ላቲን፡ ግሪኽን፡ እብራይስጥን ቃፍላይ ዓወት ዝንበብ ጽሑፍ፡ ብደመቕቲ ቀይሕን ወርቃውን ሕብርታት ዝተወረቑ፡ ንብረት ዝጸዓኑ ዓሰርተው ክልተ ሰረገላታት ኣብ ጥቓ ሕምብርቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ክፉት ሻኻ ዓስከሩ። ኣብቲ ካብ’ቶም ነቶም ሰረገላታት ዘካበቡ ዝዓበየ ኣግነት፡ ሓፊድ ነቢት ዝመልአ መለክያኡ ናብ ብርጭቆታት ኤራስሞስን ጋሌኖስን ገጹ ሓፍ እናበለ፡ “ነቲ ዝደመቐ ዓወትና፡” ክብል ብኹርዓት ጨርሐ።
“ብሓቂ ዘይትርሳዕ ምሸት እያ፡” በለ ኤራስሞስ ኣዕሚቑ እናስተንፈሰ።
ኣብቲ ብልዕሊ ክልተ ሚእቲ ኣብ ክቢ መድረኽን መተሓላለፊ ኮረድዮታትን ብዝተሰኹዑ ብዘይቲ ዝበርሁ ቐንዴላት ዝተኾልዐ፡ ድሒሩ ዳግም ብኣውጉስጦስ ዝተሃንጸ፡ ድንቂ ኣዳራሽ ተዋስኦ ፖምፐይ፡ ሓፊድ ኣብ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተው ሸሞንተ ሽሕ ብኣንክሮን ተመስጦን ዝዕዘቡ ዜጋታት ሮማ፡ ኣብ ሰዓታት ኣጋ ምሸት ቀስቓሲ መደረኡ ኣስምዐ። ድሕሪ ናዝሬት ኣብ ዘስምዖ ነፍስወከፍ መደረ ዝለበሶ ዝማሕምሐ ቀይሕ ባርኖስ እየሱስ ኣብ ኣእዳዉ ጨቢጡ፡ ሓፊድ ነቲ ድሕሪ ዘረባኡ ምዝዛሙ ተዓዘብቲ ኻብ ወናብሮም ተንሲኦም ዝለገሱሉ ዳርጋ ንሓደ ሰዓት ዝቐጸለ ጨብጨባ፡ ደስታ እናተሰምዖ ኣመስገነ።
እቲ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም ካብ ነቢቱ ድሕሪ ምምዓጕ፡ “ጋሌኖስ፡ ነዞም መደረታት ኣብ ክንዲ ኸምቲ ካልኦት ዝገብርዎ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ እዋናት ምሸት ከቕርቦም ስለ ዘእመንካኒ ኵሉ ሳዕ ከመስግነካ እየ። እዞም መልእኽትና ብዝያዳ ከነብጽሓሎም ንፍትን ዘሎና፡ እቶም ትሑት ዝመነባብሮኦም ሸቃሎን ንኣሽቱ ነጋዶን ናይዚ ኸተማ፡ ኣብ ካልእ ግዜ ብፍጹም ከርክቡ ኣይክእሉን እዮም። ዝበዝሑ’ውን ኣብ መለእ ህይወቶም መደረ ንኽሰምዑ ዕድል ረኺቦም ከም ዘይፈልጡ ክዛረቡ ሰሚዐ ኣለኹ፡” በለ።
“ሎሚ ምሸት ኣዝዩ ብሉጽ ብቕዓት ኢኹም ኣርኢኹም፡ ጐይታይ፡” መለሰ ጋሌኖስ፡ “ነዚ ቛንቋ’ሞ ልክዕ ከም ቛንቋ ኣዴኹም ኢኹም ክትምድሩሉ ጸኒሕኩም።”
“ክብረት ይሃበለይ። እቲ እንኮ ቕር ዝበለኒ ሰርግዮስ ጳውሎስ ምሳና ዘይምውዓሉ ኣዩ። ጡረታ ወጺኡ ናብ ሮማ ብምምላሱ፡ ዊንታይ ነዛ ዕውትቲ ምሸት ምሳና ኽጽንብላ እዩ ነይሩ፡ ብዝኾነ ኻብ ሕማሙ ብቕልጡፍ ክሓዊ እዩ ጸሎተይ። ዘመዝገብናዮ ዓቢ ዓወት ዘበስር መልእኽቲ ምስ ሰደድኩሉ፡ ኣዝዩ ኽድሰት እዩ። ቅድሚ ዓሰርተው ሓምሽተ ዓመታት ምኽሩ እንተ ዘይልግሰለይ ነይሩ፡ ንሕና ሎሚ ምሸት ኣብዚ ኣይምሃሎናን፡ ምናልባት’ውን ኣነ ድሮ ኣብቲ ናይ መጠረሽታ መዕረፍየይ ምስ ሊሻ ፍቕረይ ተጸንቢረ ምሃለኹ ይኸውን።”
ጋሌኖስ ጥቕስ በለ። “እቲ’ኳ ሓንቲ ሰረገላ ጥራይ ዝነበረትና እዋን፡ ሎሚ ኮይኑ ይረኣየኒ። ሕጂ ቓፍላይና፡ ክንዲ’ቶም ግዝኣት ንግድኹም ኣብ ጥርዚ ዕቤት በጺሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት ትቖጽሮዎም ዝነበርኩም ሰራሕተኛታት እዩ ወኒኑ። ኣብ ርእሲ ዘለዋና ሰረገላታት፡ ዓሰርተው ሽዱሽተ ኣግማል ምስ ሓለውተን፡ ሸሞንተ ዕጡቓት ዘብዐኛታት ምስ ኣፍራሶም፡ ክልተ ኸሻኖ፡ ደርዘን ተለኣኣኽቲ፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ብዘይ ጸገም ከጓዓዕዙና ዝኽእሉ ኣርባዓ ኣፍራስን ወኒንና ኣሎና። እዚ፡ ኣብ ኣቴና ናይ ዝነበረና ዝሓለፈ ምርኢት፡ ንኵልና፡ ምስ ጥሪትናን ኣቕሑናን ዘጓዓዓዘና ዓሰርተ ዝቑጽረን መራኽብ ዝሓዘ ጭፍራ ኣብ ግምት ከየእቶኻ እዩ። ጐይታይ፡ ንተራ ተቐማጦ ኸተማታት እስክንድርያ፡ ኖፍ፡ እየሩሳሌም፡ ባቢሎን፡ ባቕዳድ፡ ነነዌ፡ ኣሌጶ፡ ኤዲሳ፡ ኣንጾክያ፡ ኤፌሶን፡ ስሚርና፡ ስፓርታ፡ ኣቴና ካልኦት ኣማኢት ንኣሽቱ ኸተማታትን መልእኽትና ብናጻ ኣካፊልና ዓለም ብዓለማ ኾሊልና፡ ሕጂ ድማ ብዝበለጸ ንርእሰ-ኸተማ ዓለም ሮማ ኣረኻኺብናላ። እቶም ህዝቢ ንቓላትኩም ዝህብዎ መልሰ-ግብሪ እናኽርኢ፡ ህይወት ኣሽሓት ትትንክፉ ከም ዘለኹም እዩ ዝስወጠኒ።”
“ብሓቂ፡ ጐይታና ምስ ሰርግዮስ ጳውሎስ ኣብ ናዝሬት ብድንገት ካብ ዝራኸቡ ዓሰርተው ሓምሽተ ዓመታት ዝሓለፈ ዘይመስል፡” ደገፉ ሃበ ኤራስሞስ።
“ብድንገት ኢና ተራኺብና ኢለ ኣይኣምንን፡” መለሰ ሓፊድ። “ንኣይ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ህይወተይ ብተደጋጋሚ ዝገበሮ፡ ካልእ ኣብነት ናይ ፈጣሪ ዝተጻወቶ ዳማ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ። ከም ኣረኣእያይ፡ ሓሓሊፉ ኣብ ህይወትና ጣልቃ እናኣተወ ነገራት ከም ዘጋጥሙ እዩ ዝገብር። ብድሕሬኡ ንስጉምትታቱ ብኸመይ መልሰ-ግብሪ ኸም ንህብ ከኣ ይጽበ። ገለ መጻኢኦም ብዘብርህ መገዲ መልሰ-ግብሪ ይህቡ። ገለ ብሕርቃንን ቑጥዐን ተደሪኾም ዝታረኽዎ’ውን ኣይሰኣኑን። ኣብ መንጐ’ዚኦም ድማ ፈጺሞም መልሰ-ግብሪ ዘይህቡ ኣለዉ። እዚኦም እቶም ብደዎም ዝሞቱ ክኾኑ ከለዉ፡ ብዙሓት ካባኣቶም ግዜኦም እናመሳመሱን እናዕዘምዘሙን፡ ህይወቶም ከመሓይሹ ዝኾነ ፈተነ ከየካየዱ ኣብ መንጐና ይነብሩ ኣለዉ።”
“በዚ ምኽንያት እየ፡ ዝበዝሑ ኻብ መደረታተይ ነዞም ድኻታትን ግፉዓትን ከምኡ’ውን ድኹማትን ስንኩላንን፡ ንዝኾነ ኣንጻሮም ዝዓጠቐ ፍጻመ ብኸመይ ይገጥሙ ንኸስተምህር ዘወፊ። ነዞም ሽጉራት ኣባላት ሕብረተ-ሰብ፡ ፈጣሪ ብድሆ የቐምጠልና’ኳ እንተ ኾነ፡ ኵልና ዕዉታት ክንከውን ከም ዝምነ ኵሉ ሳዕ እየ ዘዘኻኽሮም። ብኸመይ ከም ዝዕወቱ እየ ክምህሮም ዝፍትን ዘለኹ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት ተመሊሰ፡ ዝሰምዕዎም ቃላተይ ኣብ ልቦም ተዘሪኦም ድሕሪ ምጥጣዖም ንዝተወለዱ ዛንታታት ዓወት ኻብ ምስማዕ ዘዕግበኒ’ሞ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧”
“ሕጂ ድማ” በለ ኤራስሞስ እናተጠራጠረ፡ “ኣብቲ ብኣዋርቕ ዝመልአ ርሻኑ ኾይኑ ህይወት ኵሎም ህዝቡ ኸም ዝውንን ዝኣምን ሃጸይ ኣብ ዝገዝኦ መሬት ሮማ ገያሾ ኢና። ሓፊድ፡ ሎሚ ምሸት ኣብ መንጐ ተዓዘብትና፡ ልክዕ ከምቶም ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዝጽበይዎ ኣብ ልቢ ዝሰፈሩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰብኩ ደቀ-መዛሙር እየሱስ ኣስዒቦሞም ኢሎም ዝጥቅንዎም ሓደጋታት ዘስዕቡ ቃላት ተዛሪብኩም እንተ ኾይንኩም፡ ዝምርምሩ ሰለልቲ ኸም ዝነበሩ መሸም ርጉጽ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት እንድዩ ነቲ ሮማ ዝሃመዀ ዓቢ ባርዕ ባዕሎም’ቶም ኣመንቲ ክርስትና ኸም ዝወልዕዎ ጠቒኑ ኣብቲ ቕርዓት ባርባራዊ ቅልስ ኮሎስዮም ከም ዝርሸኑ ዝገበረ። እቶም ዘምለጡ ድማ ገና ኣብ ትሕቲ ሮማ ዝርከቡ መቓብራት እዮም ተሓቢኦም ዘለዉ። ከም ዝመስለኒ፡ እምነቶም ዓቢ ዋጋ እዩ ኣኽፊልዎም።”
“ኔሮ፡ እዚ ኣብ መደረታተይ ዝለብሶ ባርኖስ ናይ እየሱስ ከም ዝነበረ እንተ ፈሊጡ መሸም እንታይ እዩ ኽብል እንድዒ፡” በለ ሓፊድ ፍሽኽ እናበለ።
“በጃኹም ጐይታይ፡” ኤራስሞስ ብፈኲስ ደሃይ ተማሕጸኖ፡ “እዚ ኣብ መንጐና ጥራይ ኸም ዝተርፍ ግበሩ።”
ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ዓቢ ኣግነት ዝሕሉ ዝነበረ ዘብዐኛ በቲ መእተዊ ተቐልቒሉ ንሓፊድ ዝደሊ ጋሻ ኸም ዝመጽአ ሓበሮ።
“እቶ በሎ!” ኢሉ ጨደረ ሓፊድ፡ መለክያኡ ብነቢት እናመልአ።