ኣብዛ ማራኺት ኖቨል'ዚኣ ህቡብ ጸሓፊ ፓውሎ ኰልዮ እታ ኣብ ድርኵዅት ብርሰት ዝነበረት ከተማ ዝስምዓ ዝነበረ ጓሂ ብግሩም ኣገባብ ኣቕሪቡዎ ኣሎ። እቶም ብፍርሒ ዝተዋሕጡ ህዝቢ ነቲ ግሪኻዊ ምኽርን ምጽንናዕን ሃሪፎም ይሓቱዎ፣ ንሱ ድማ ብዛዕባ’ቲ ንመዓልታዊ ህይወትና ዝቐርጽ መትከላትን ስለምንታይ ንዕንወት እየሩሳሌም ሓሊፎም ንወለዶታት ከም ዝነብሩን ይነግሮም።
ሓደ፡ እቲ ቁብጢ ዘረባኡ ከም ዝወድአ ዝርኣየ ነጋዳይ፡ “ብዛዕባ'ቶም ስዑራት ግለጸልና፡" በሎ።
ንሱ ከኣ መለሰ፤
እቶም ስዑራት፡ ብፍጹም ዘይፈሽሉ እዮም። ስዕረት፡ ኣብ ሓደ ኲናት ወይ ዓውደ ውግእ ክንከስር ከለና እዩ። ፍሽለት ግና ናብ ውግእ ክንከይድ ኣየፍቅደልናን እዩ።
ስዕረት ዝመጽኣና፡ ንሓደ ኣመና እንደልዮ ነገር ንምርካቡ ክንፈሽል ከለና እዩ። ፍሽለት ግና ክንሓልም ኣየፍቅደልናን እዩ። ናቱ ቀንዲ ጭርሖ 'ዝኾነ ነገር ኣይትጸበ ፍሽለት ከኣ ኣይክስመዓካን' ዝብል እዩ።
ስዕረት፡ ናብ ካልእ ዓውደ ውግእ ኣብ ዘቕናዕናሉ እዋን የብቅዕ እዩ። ፍሽለት ግና መወዳእታ የብሉን፡ ናይ ምሉእ ህይወትካ ምርጫ እዩ።
ስዕረት፡ ዘሎዎም ፍርሒ ብዘየገድስ፣ ብህንጡይነትን ብእምነትን ናይ ዝነብሩ እያ።
ስዕረት ናይ'ቶም ቆራጻት እያ። ንሳቶም ጥራይ እዮም፡ ኣብ ምስዓር ዘሎ ክብረትን ኣብ ዓወት ዘሎ ታሕጓስን ዝፈልጡዎ።
ኣነ ኣብዚ ዘለኹ፡ ስዕረት ክፋል ህይወትና ምዃኑ ክነግረኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ንሱ ኩላትና እንፈልጦ እዩ። እቶም ዝተሳዕሩ ጥራይ እዮም ፍቕሪ ዝፈልጡ። እቲ ምኽንያት፡ ኣብ ግዝኣት ፍቕሪ ጥራይ ኢና ንዋጋእን ሓፈሻዊ ንሰዓርን።
ኣነ ኣብዚ ዘለኹ፡ ተሳዒሮም ዘይፈልጡ ሰባት ከም ዘለዉ ክነግረኩም ኢለ እየ።
ንሳቶም ከኣ እቶም ብፍጹም ተቓሊሶም ዘይፈልጡ እዮም።
ንሳቶም፡ በሰላ፡ ውርደትን ሓጋዚ ኣልቦ ናይ ምዃን ስምዒት ዘወግዱሉ ሜላ የጣጥሑ። ኣብዘን ህሞታት እዚአን ግና ዋላ እቶም ተዋጋእቲ ብህላውነት ፈጣሪ ይጠራጠሩ እዮም።
ገለ ሰባት፡ ብኹርዓት 'ኣብ ዓውደ ውግእ ተሳዒረ ኣይፈልጥን እየ' ይብሉ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ 'ኣብ ዓውደ ውግእ ተዓዊተ' ክብሉ ኣይትሰምዖምን ኢኻ።
ንሳቶም ኣይግደሱን እዮም። ኣብታ ንዝኾነ ዘይተቃልዖም ውሕስቲ እያ ኢሎም ዝኣምኑላ ኣድማስ ይነብሩ። ንዘይፍትሓውነትን ንስቓይን ዓይኖም ይዕምቱ። ውሕስነት ይስምዖም። ምኽንያቱ ከም'ቶም ካብ ዝተዋህቦም ሕንጻጽ ወጺኦም፡ ከይፈርሁ ሓደገኛ ፈተነ ዝወስዱ ሰባት፡ ነቲ ዘጋጥሞም መዓልታዊ ብድሆታት ኣይገጥምዎን እዮም።
ንሳቶም 'ደሓን ኩን' ወይ ከኣ 'ክንዲ'ቲ ጠፊአዮ ዝነበርኩ ተመሊሰ ኣለኹ'ሞ ከም ብሓድሽ ዝረኸብካኒ ጌርካ ብኣድናቖት ሕቖፈኒ።' ዝብላ ቃላት ሰሚዖመን ኣይፈልጡን እዮም።
እቶም ተሳዒሮም ዘይፈልጡ፡ ሕጉሳትን ልዑላትን፣ ንኽዕወቱ ሓንቲ ኣጻብዕ ምልዓል ጥራይ እያ እተድልዮም። ጐይቶት ሓቂ መሲሎም ክርኣዩ ይፍትኑ። ንሳቶም ልክዕ ከም'ቶም ተረፍ ኣንበሳ ዝምገቡ ኣዛብእ፡ ጸግዒ ዝሓየለ ጥራይ እዮም ዝሕዙ።
ንደቆም'ውን 'ኣብ ግርጭታት ኢድካ ኣይትሓውስ፣ ክትከስር ጥራይ ኢኻ። ጥርጣረታትካ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ሓዞም። ዝኾነ ጸገም'ውን ኣይክህሉወካን እዩ። ሓደ ሰብ እንተ ኣጥቂዕካ፡ ግብረ መልሲ ሂብካ ንባዕልኻ ጥፍኣት ኣይተምጽእ ወይ ክብርኻ ኣይተጉድል። ኣብ ህይወት ክትገብሮም ዝግባኣካ ካልኦት ዝያዳ ኣገደስቲ ነገራት ኣለዉ።' እናበሉ ይምህሩዎም።
ኣብ ከውታ ለይቲ ከኣ ኣብ ናይ ስእለ-ኣእምሮኦም ዓውደ ውግእ ይጽመዱ። እቲ ዘይተጋህደ ሕልምታቶም፡ እቲ ዕዉር ዓይኒ ዝሃቡዎ ኢፍትሓውነት፡ ካብ ገዛእ ርእሶም ክኽውሉዎ ዘይከኣሉ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ግና ክሰትሩዎ ዝኸኣሉ ናይ ምጅጃው ህሞት፣ እቲ ፈጣሪ ንኦም ዝመደበሎም፡ ዓይኑ እናንጸባረቐ ኣብ መገዶም ዘጓነፎም፡ ንሳቶም ግና ንኽሓቑፍዎ ትብዓት ዘይረኸቡ ፍቕሪ፡ ኣብ ሓሳቦም ይመላለስ።
ንገዛእ ርእሶም ከኣ 'ጽባሕ ፍልይቲ ክትከውን እያ።' ኢሎም ይመባጽዑላ።