ኣብ 1997 ዝተሓትመት ቀዳመይቲ መጽሓፍ ካብ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ሃሪ ፖተር (Harry Potter and the Philospher's Stone) ናብ ሰማንያ ቛንቋታት ተተርጕማ ትርከብ። ብሓፈሻ ድማ ዓለምለኻዊ ሽያጥ መጻሕፍቲ ሃሪ ፖተር ልዕሊ 500 ሚልየን በጺሑ ኣሎ።

ሃሪ፡ ነቲ ጥርሑ ዝነበረ ወርቃዊ ሸሓኒኡ ምስ ጠመቶ፡ ጥሜት ተሰምዖ።

ኣልበስ ዳምብልዶር ተንስአ። ገጹ ብፍሽኽታ ተዀሊዑ፡ ኣእዳው ዘርግሐ።

“እንቋዕ ኣብዚ ኣብቅዓና! ሕጂ’ውን ኣብ ሆግዎርትስ ሓዳስ ዓመት ክንፍልም ኢና። ቅድሚ ናብዚ ድግስ ምእታውና ግን ምስዚ መግቢ ከተስተማቕሩወን ዝደልየኩም ገለ ቓላት ወስ ከብል። ንሳተን ድማ፣ ድንቍርና፡ ማዕርነት፡ ፍርሒ፡ ኣድልዎ!

“በሉ እጅገና ሰብሲብና ነዚ መግቢ ሓመድ ነስሕኖ። የቐንየለይ!”

ተመሊሱ ኮፍ በለ። ኵሎም ኣጣቕዑ፣ ሃሪ ግን ሰሓቕ መለቘ።

“ቍሩብ ጥዕና ይጐድሎ ድዩ’ታ? እንታይ’ዩ ክብል ጸኒሑ?” ሃሪ ንፐርሲ ሓተቶ።

“እንድዒ፡” መለሰሉ ፐርሲ፣ “ኣዝዩ በሊሕ’ዩ፣ እቲ ዝበለጸ ጠንቋላይ ኣብ ዓለምና’ዩ። ግን እወ ዘረባኡ ሓንሳእ ሓንሳእ ኣይርድኣካን’ዩ። ጠባዩ ፍሉይ’ዩ። ሃሪ፡ ድንሽ በል ሓዝ።”

ሃሪ ኣፉ ሃህ ኣበለ። ኣብ’ቶም ጥርሖም ዝጸንሑ ሸሓኒታት በብዓይነቱ መግቢ ተዀሚሩ ጸንሖ። ሃሪ፡ ክንድኡ ዝኣክል ዓይነት መግቢ ርእዩ ኣይፈልጥን። ቅልዋ ስጋ፡ ጥብሲ ደርሆ፡ ሞርቶዴላ፡ ግዕዝም፡ ቢስተካ፡ ብሱል ድንሽ፡ ቅልዋ ድንሽ፡ መረቕ ስጋ፡ ኬቻፕ ....

እንዳ ዳርስሊ ንሃሪ ኣጥምዮሞ ኣይፈልጡን፣ ከም ድልየቱ ዝተመገበላ መዓልቲ ግን ኣይትዝከሮን። ዳድሊ ኸኣ ብኽቱር ቅንኢ፡ ዝኾነ ንሃሪ ደስ ዝበሎ ዓይነት መግቢ ይምንጥሎ ነበረ። ሕጂ ግን ሃሪ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ወሲዱ ኣብ ሸሓኒኡ ጸፍጸፎ።

“ኣፍካ ማይ ዘምልእ፡” በለ እቲ ቕድሚ ገለ እዋን ዝረኸቡዎ ገፍላው ኳሌታ ዝወደየ መንፈስ። ሃሪ፡ ነታ ዝቘርጻ ዝነበረ ቢስተካ ገዲፉ ጠመቶ።

“ክትበልዕ ኣይትኽእልን ዲኻ?”

“ንኣስታት ሓምሽተ ሚእቲ ዓመት ዝኸውን መግቢ ኣይለኸፍኩን፡ ኣየድልየንን’ዩ፡ ግን ኣዝየ’የ ዝናፍቖ። ኣይተላለናን ሓቀይ? ሰር ሮበርት ደ ሚምሲ-ፖርፒንተን እብሃል፡ ተቐማጢ ግምቢ ኣሰድ’የ።”

“እዋእ! ንኣኻ ደኣ እፈልጠካ’ንድየ፡ ኣሕዋተይ ነጊሮምኒ ነይሮም፡ ርእስ’ልቦ ሮበርት’ንዲኻ ትብሃል።” በለ ሮን ሃንደበት።

“ሰር ሮበርት እንተ ትብለኒ---” ምስ ጀመረ እቲ መንፈስ፡ ሸይመስ ፊኒጋን ዀለፎ።

ርእስ’ልቦ? ከመይ ጌርካ ርእስ’ልቦ ትኸውን?”

ሰር ሮበርት፡ ዕላሎም ብዘይደለዮ መገዲ ብምኻዱ ዝዀረየ መሰለ።

“ግደ ሓቂ’ኳ ዳርጋ ርእስ’ልቦ እየ፡” በለ’ሞ፡ ጸጋመይቲ እዝኑ ወጠጣ። ብምሉኣ ርእሱ፡ ካብ ክሳዱ ንቕድሚት ነው ኢላ ጠልጠል በለት። ርእስ’ልቦ ሮበርት፡ ነቲ ዝቐዘዘ ገጾም ርእዩ ተሓጐሰ። ንርእሱ ናብ ቦታኣ መሊሱ፡ ስዒሉ ዘረባኡ ቐጸለ። “እሞ ሓደሽቲ ኣሰዳውያን፡ ሎምዘመን ነታ ዋንጫ ክንዓትራ ትሕግዙና ዲኹም? ኣሰድ ናይ ክንድ’ዚ ዓመታት ጽምኢ ርእያ ኣይትፈልጥን’ያ። ኣርዌን ብተኸታታሊ ንሽድሽተ ዓመታት ተዓዊቶምላ’ለዉ። እቲ ምቝሕ መስፍን መዓልቲ መዓልቲ እናፈከረ ርእስና ኽፍንቅለና ደልዩ፣ ናይ ኣርዌን መንፈስ ንሱ’ዩ።”

ሃሪ፡ ናብቲ ናይ ኣርዌን ጠረጴዛ ኣማዕደወ። ዘርዕዳ፡ ስምዒት-ኣልቦ ኣዒንቲ ዝነበሮ፡ ብሩራዊ ደም ዝተጸየቐ ልብሲ ዝተኸድነ ማሕቋቝ ዝገጹ መንፈስ ረኣየ። ካብ ኵሉ ዘፍርሕ ድማ ዝባኑ ብሰንሰለት ዝተኣስረ ነበረ። ኣብ ጐድኑ ኸኣ - ምስቲ ዘፍርሕ መንፈስ ኮፍ ምባሉ ደስ ዘይበሎ - ኣልዋን ነበረ።