እዛ ኻብ ኣዝየን ጸለውቲ መጻሕፍቲ ዓለምና ምዃና ዝምስከረላ መጽሓፍ'ዚኣ ብዛዕባ‘ቲ ቪክቶር ፍራንክል ካብ 1942-1945፡ ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለያ መዓስከራት ናዚ (እንተላይ ኦሽዊትስ) ዘሕለፎ ንምእማኑ ዘጸግም ጽንኩር ህይወት ተዘንቱ።

ስምዒት-ኣልቦነት ወይ ዕጥጥ ዘይብለካ ምዃን ምልክት ናይ ካልኣይ መድረኽ ስነ-ኣእምሮኣዊ መልሰ-ግብርና እዩ ነይሩ። ብሰንኪ’ዚ ስምዒት-ኣልቦነት’ዚ ዕለታዊ ይኹን ሰዓታዊ ማህረምትታት ከም ዘይስምዓና ኾንና።

ማህረምቲ በታ ዝነኣሰት ትብሃል በደል፡ ሓንሳእ ሓንሳእ’ሞ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት፡ ይወርደና ነበረ።  ንኣብነት፤ ሓደ እዋን፡ ባኒ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታና ስለ ንዕደል ተሰሪዕና ንጽበ ነበርና። ብድሕረይ ዝነበረ ሰብኣይ ናብ ሓደ ወገን ብሰንኪ ምዝዛዩ መስርዕና ትኽ ዘይምባሉ ዘየሐጐሶ ኣባል ጸጥታ ሃንደበት ብድሕረይ መጺኡ ኽልተ ግዜ ርእሰይ ክሃርመኒ ተፈለጠኒ። ኣብ ጐነይ ኮይኑ ብበትሪ ኸም ዝሃረመኒ ጸኒሐ እየ ኣስተብሂለ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ህሞት፡ እቲ ቐንዲ ዘሕምመካ ኣካላዊ ቓንዛ ኣይኮነን (እዚ፡ ኣብ እኹላት ሰባት ይኹን ቈልዑ ሓደ እዩ)። ብሰንኪ ዘይፍትሓውነት ወይ ዘይርትዓውነት ናይቲ ማህረምቲ ዝስምዓካ ኣእምሮኣዊ ቓንዛ ይብእስ።

ኣባኻ ዘይበጽሐ ማህረምቲ’ውን ብገለ ስግንጢር መገዲ ከቐንዝወካ ይኽእል እዩ። ሓደ እዋን፡ ከቢድ ውርጪ ኣብ ዝዓልበሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ናይ ባቡር ምድሪ ሓዲድ ንዓዪ ነበርና። ጒጅለና፡ ጽንኩር ኲነታት ኣየር እናሃለወ ኽትሰርሕ ተፈሪዳ ነበረት። ንኽትማምቚ ዝሓሸ መገዲ ኣበርቲዕካ ምዕያይ ስለ ዝነበረ ነቲ ሓዲድ ብጸጸር ኣብ ምድግዳግ ናይ ሓይለ’ቦይ እጽዕር ነበርኩ። ንሓንቲ ህሞት ጥራይ ትንፋሰይ ክመልስ ደው ኢለ ኣብ ባዴላይ ተደገፍኩ። ሓደ ዝተሃከኹ ዝመሰሎ ወተሃደር ግን ኣስተብሃለለይ። እቲ ዘውረደለይ ቃንዛ ኻብ ጸርፊ ወይ ማህረምቲ ኣይነበረን። ዝኾነ ቓል ከውጽእ ኣድላዪ ኾይኑ ኣይተስምዖን። ንኣይ፡ ንዕባራን ረሳሕን ፍጥረት፡ ክጸርፍ’ውን ድኻም ስለ ዝነበረ እምኒ ኣልዒሉ ናባይ ገጹ ሰንደዋ። ከም እንስሳ ዝጽውዓኒ ዘሎ ኾይኑ ተሰምዓኒ። ንሓደ ኸማኻ ስለ ዘይኮነ ኽትቀጽዖ’ውን ዘይትሓስቦ እንስሳ ዝጽውዕ ዘሎ መሰለ።

እቲ ዝያዳ ኣቐንዛዊ ኽፋል ናይ ማህረምቲ እቲ ዝውክሎ ጸርፊ እዩ። ሓደ እዋን ብዝበረደ መሬት ነዊሕን ረዚንን ዓንድታት ተሰኪምና ንኸይድ ነበርና። ሓደ ኻባና ሸተት እንተ ኢሉ፡ ንነብሱን ጒጅለኡን ኣብ ሓደጋ ኸም ዘእቱ ርዱእ ነበረ። ክውለድ ከሎ ዝመለቘት ምሕኲልቲ ሒዙ ዝተወልደ ናይ ቀደም ዓርከይ ምሳና ነይሩ። ስንኩላን ይቕተሉ ስለ ዝነበሩ፡ ስንክልናኡ ሓቢኡ ኽሰርሕ ምኽኣሉ ሕጒስ እዩ ነይሩ። ነቲ ዓንድታት ተሰኪምና እናኸድና ግን ይሕንክስ ስለ ዝነበረ ንነብሱ ወዲቑ ነቶም ካልኦት’ውን ዝልክሞም መሰለ። ኣነ ድማ ኣብታ ህሞት’ቲኣ ተሰኪመ ስለ ዘይነበርኩ ንኽሓስብ ደው ከይበልኩ ኽሕግዞ ጐየኹ። ግና ሕቘይ ተደሲቐ ናብ ቦታይ ክምለስ ተኣዘዝኩ። እቲ ዘገርም፡ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ እቲ ዝደሰቐኒ ወተሃደር ንሕና ‘ሓሰማታት’ ብጻይነት ከም ዘይስምዓና ጸሪፉኒ ነይሩ።

ካልእ ግዜ፡ ኣብ ሓደ ጫካ፡ ኣብ ናይ -16oC ቀዝሒ ንዓዪ ነበርና። ቱቦታት ማይ ከነእቱ፡ ዝበረደ ሓመድ ክንኲዕት ወዓልና። ሽዑ ኣካለይ ኣዝዩ ደኺሙ ነበረ። ሓደ ማዕጓር ተቘጻጻሪ ናባና መጽአ። ኣብቲ ቐዝሒ’ቲ ጓንቲ ወድዩ ምንባሩ ረኣኹ። ንገለ ግዜ ብስቕታ ተዓዘበኒ። ነቲ ዝዀዓትኩዎ ጠመትኩዎ’ሞ ብኡ ገለ መዘዝ ክመጽኣኒ ምዃኑ ተገንዘብኩ።

ሽዑ ዘረባኡ ጀመረ። “ኣታ ሓሰማ! ስቕ ኢለ’የ ኽርእየካ ጸኒሐ። ከመይ ከም ዝስራሕ ክምህረካ’የ! በስናንካ ከም ትዂዕት ክገብረካ’የ! ክልተ መዓልትታት ኣይትጸንሕን ኢኻ! ስራሕ እንታይ ምዃኑ ትፈልጦ ዲኻ? ስራሕካ እንታይ እዩ ነይሩ? ነጋዳይ?”

ኣነ፡ ምግዳስ ዝብሃል ነገር ድሮ ረሲዐዮ ነበርኩ። ነቲ ታህዲድ ስቕ ኢለ ኽሓልፎ ስለ ዘይደለኹ ግን ቅንዕ ብምባል ናብ ኣዒንቱ ጠመትኩ። “ሓኪም’የ ነይረ፡” ድማ በልኩዎ።

“እንታይ? ሓኪም? እሞ ናይ ብዙሕ ሰብ ገንዘብ በሊዕካ ኢኻ!”

“ግደ ሓቂ፡ ዝበዝሐ ግዜይ ንድኻታት ናጻ ሕክምና ኣብ ምሃብ’የ ዘሕልፎ ነይረ።”

ዘረባ ኣብዚሐ። ከም ዕቡድ እናጨደረ፡ ናባይ ብምውርዋር ኣውደቐኒ። እንታይ ኢሉ ኸም ዝጨደረ ኣይዝክሮን እየ።

በዛ ንእሽቶ ዛንታ’ዚኣ ዝኾነ ነገር ዕጥጥ ዘይብሎ እሱር’ውን ነድሪ ኸም ዝስምዖ እየ ኸርኢ ደልየ። እቲ ነድሪ ድማ ኻብቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ጸርፊ እዩ ዝብገስ። እቲ ብዛዕባ ህይወተይ ቅንጣብ ዘይፈልጥ ሰብ ከም ድልየቱ ገይሩ ኸዋርደኒ ኣይተቐበልኩዎን። ናብ መዓስከር ምስ ተመለስና ብናይ ቈልዓ ዝመስል ስምዒት ንብጾተይ፤ “ከምኡ ዓይነት ስዲ ሰብ ኣብ መጸበዪ ኽፍለይ ክኣቱ’ውን ኣይምተፈቕደሉን።” በልኩዎም።

ጽቡቕ ዕድል ገይረ እቲ ኣብ ናይ ስራሕ ጒጅለይ ዝነበረ ካፖ ንናይ ሓዳርን ፍቕርን ሽግራቱ ጽን ኢለ እሰምዖ ስለ ዝነበርኩ ይፈትወኒ ነበረ። ናብ ናይ ስራሕ ቦታና ኣብ ንኸደሉ ነዊሕ ምረሻታት ብዘይ ምቊራጽ የዕልለኒ ነበረ። ንባህርያቱ ብምግምጋምን ስነ-ኣእምሮኣዊ ምኽርታት ብምሃብን መሲጠዮ ነበርኩ። ኣብ ቀዳሞት ሓምሽተ መስርዕ ምስኡ ብዙሕ ግዜ ቦታ ይሕዘለይ ነበረ። እዘን ቦታታት’ዚአን ኣገደስቲ እየን ነይረን፣ ምኽንያቱ፡ ገና ኸይወግሐ ኸሎ ስለ ንስራዕ፡ ከይንድንጒ’ሞ ድሕሪት ከይንስራዕ ንፈርሕ ኔርና። እቲ ቐንዲ ካፖ፡ ደስ ዘየብል ስራሕ ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ዘድልዩዎ ሰባት ካብ’ቶም ድሕሪት ዝነበሩ ይወስድ ነበረ። ድሕሪኡ፡ እቶም ዝተመርጹ ኣብ ትሕቲ ዘይፈልጡዎም ወተሃደራት ክሰርሑ ናብ ካልእ ቦታ ይውሰዱ። ሓንሳእ ሓንሳእ’ውን እቲ ቐንዲ ካፖ ነቶም ጐሪሕና ዝበልና ኽረክብ ካብ ቀዳሞት መሳርዕ ይወስድ ነበረ። ዝኾነ ኽቃወም ዝፈተነ ብማህረምቲ ኣፉ ይሕዝ፣ እናተጸረፍካን እናተሃረምካን ድማ ናብቲ ቦታ ትውሰድ።

ኣነ ግን ነቲ ካፖ ጽን ኢለ ብዛዕባ ጉዳያቱ ኽሳዕ ዝሰማዕኩዎ ኻብዚታት ውሑስ ነበርኩ። ካልእ ረብሓ’ውን ነይሩኒ። ዳርጋ ኸም ኩሎም እሱራት ኣእጋረይ ኣዝዩ ስለ ዝሓበጠን ቈርበቱ ኣዝዩ ስለ ዝተመጠጠን ብርከይ ምዕጻፍ ክሳዕ ዝኣብየኒ ኾይነ ነበርኩ። ዝሓበጠ እግረይ ከእቱ እንተ ኾይነ ጫማይ ከይኣሰርኩ እገድፎ ነበርኩ። ካልሲ እንተ ዝህልወኒ’ሞ እግረይ ከእቱዎ ኣይምኸኣልኩን። ስለዚ እቲ ፍርቁ ኸይተሸፈነ ዝተርፍ ኣእጋረይ ኩሉ ግዜ ጥልቁይ፡ ጫማይ ድማ ብውርጪ ዝተመልአ ነበረ። ብሰንኪ’ዚ ነፍስወከፍ ስጒምቲ ስቓይ ነበረት። ክንምርሽ ከለና ኣብ ጫማና ውርጪ ይእከብ’ሞ ሸተት ብምባል ተተሓሒዝና ንወድቕ ነበርና። ሓደ ኻብ’ቶም ወተሃደራት ብሰደፍ ብረቱ ገይሩ ጒዕዞና ኽንቅጽል ክሳዕ ዝነግረና ኸኣ ንሓጺር ግዜ ደው ንብል። ኣብ ክንዲ መምስ ደንጐኻ ክትጐዪ ትፍትን፡ ኣብ ቅድሚት ምዃን ይሓይሽ ነይሩ። ኣነ ግን ከም ውልቃዊ ሓኪም ናይቲ ካፖ ኣብ ጐኑ ኾይነ ኽምርሽ ምኽኣለይ ዕድለኛ ነበርኩ።

ከም ተወሳኺ ክፍሊት ናይ ኣገልግሎተይ፡ መረቕ ክንዕደል ከለና ገለ ዓይኒ ዓተር መሊኡ (‘ካብ ታሕቲ’ ኢልና ኢና ንጽውዖ ኔርና) ይህበኒ ነበረ። እዚ ወተሃደራዊ መኰነን-ነበር ካፖ’ዚ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ሓደ እዋን ዘቘጣዕኩዎ ተቘጻጻሪ ንፉዕ ሰራሕተኛ ምዃነይ ክነግረለይ ስለ ዝደፈረ ንጽባሒቱ ናብ ካልእ ጒጅለ ተለወጥኩ።

ብኣና ደንጊጾም ናብራና ከቕልሉልና ዝፍትኑ ገለ ተቘጻጸርቲ ነይሮም። ንሳቶም ከይተረፉ ግን ተራ ሰራሕተኛ ልዕሌና ኸም ዝዓዪ ኸዘክሩና ይፍትኑ ነበሩ። ተራ ሰራሕተኛ ንእሽቶ ባኒን ውሑድ መረቕን ጥራይ ከም ዘይምገብ ክንነግሮም ከለና ግን ይርድኦም ነበረ። ተራ ሰራሕተኛ፡ ናይ’ቶም ብጋዝ ሞይቶም ወይ ኣብ መዓስከር ተዓጽዮም ዝህሉዉ ስድራቤቱ ደሃይ ተኸሊኡ፡ ሰዓት ሰዓት ክፋራራሕ ኣይውዕልን እዩ። ሓደ እዋን ንሓደ ርሕሩሕ ተቘጻጻሪ ኸምዚ በልኩዎ፤ “ከምቲ ኣነ ኻባኻ ኣሰራርሓ ጽርግያ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዝተመሃርኩዎ፡ ንስኻ ካባይ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ መጥባሕቲ ሓንጐል ክትመሃር እንተ ትኽእል ሰማይ ምሰቐልኩኻ ነይረ።” ንሱ ድማ ኽምስ በለኒ።

425786764_683190620696840_4991332121660126518_n.jpg