ዋላ‘ኳ ንምስፍሕፋሕ ጥረኣ ዘጕድል ተኣምራዊ ሕክምና እንተ ተረኽበ፡ ናይ ሄዝል መፈጸምታ ግን ገና ክትሓምም ከላ እዩ ተጻሒፉ። ምስ ኣጋስተስ ዋተርስ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ናይ መንሽሮ ናይ ሓገዝ ጕጅለ ምስ ተላለየት ግን ናይ ሄዝል ዛንታ ምሉእ ብምሉእ እዩ ተለዊጡ። ኣበር ከዋኽብትና ነቲ ልቢ ዝሰልብ፡ ዘስሕቕን ዘሕዝንን ሸነኻት ናይ ምንባርን ፍቕርን ብዘደንቕ ኣገባብ ዳህሲሳቶ ኣላ።
ምዕራፍ ሓደ
ሓጋይ ኣብ ምውድኡ ኣብ መበል 17 ዓመተይ፡ ማማ ኣብ ጭንቀት ምእታወይ ርጉጽ ገይራቶ። ገለ ካብ ምኽንያታታ፥ ካብ ገዛ ምውጻእ ስለ ዝገደፍክዎ፡ ኣብ ዓራት ስለ ዝውዕል፡ ንሓንቲ መጽሓፍ ብተደጋጋሚ ስለ ዘንብብ፡ መግቢ ብዙሕ ስለ ዘይበልዕ፡ ዝበዝሐ ካብ ናጻ ግዜይ ከኣ ብዛዕባ ሞት ኣብ ምሕሳብ ስለ ዘሕልፎ ዝብሉ’ዮም ነይሮም።
ዝበዝሑ ብዛዕባ መንሽሮ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ፡ ናይ ኢንተርነት ገጻት ወይ’ውን መጽሄታት ንጭንቀት ከም ጐናዊ-ሳዕቤን ናይ መንሽሮ ገይሮም’ዮም ዝገልጽዎ። ጭንቀት ግን ጐናዊ ሳዕቤን ናይ መንሽሮ ኣይኮነን፣ ጭንቀት ጐናዊ-ሳዕቤን ናይ ምማት’ዩ። (መንሽሮ’ውን ጐናዊ-ሳዕቤን ናይ ምማት’ዩ፣ ወረ ኹሉ ነገር ጐናዊ-ሳዕቤን ናይ ምማት’ዩ)። ማማ ግን ሕክምና የድልያ’ዩ ኢላ ስለ ዝኣመነት፡ ናብ ስሩዕ ሓኪመይ ዶክተር ጂም ወሰደትኒ። ንሱ’ውን ኣብ ሓደ ዘልምስ ናይ ጭንቀት ሕማም እሕንብስ ከም ዘለኹ ምስ ማማ ተሰማምዐ። ዝወስዶም መድሃኒት ክመዓራረዩን ሓንቲ ግዜ ኣብ ሰሙን ናብ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ክመላለስ ወሲንለይ።
እቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ናይ መንሽሮ ዝርከቡ ሰባት ከቢቦም ዝዛረቡሉ ቦታ’ዩ። ስለምንታይ’ዮም ኣብ ክቢ ተቐሚጦም? ንሱ’ውን ጐናዊ ሳዕቤን ናይ ምማት’ዩ።
ኣብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ምውዓል ካብ መጠን ንላዕሊ ኣሰቃቒ’ዩ ነይሩ። እቲ ጒጅለ፡ ነፍስወከፍ ረቡዕ፡ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይ ሓደ ብእምኒ ዝተሰርሐ፡ መስቀላዊ ቅርጺ ዘለዎ ቤተክርስትያን ይእከብ። ኣብ ማእከል ናይቲ መስቀል፡ ማለት ኣብቲ እተን ክልተ ኣዕኑድ ናይቲ መስቀል ዝራኸባሉ፡ ኣብታ ልቢ ናይ ክርስቶስ ክትህልወላ ዝግብኣ ቦታ፡ ኩልና ከቢብና ኮፍ ንብል።
ነዚ ዘስተውዓልኩሉ መገዲ፡ ፓትሪክ፡ መራሒ ናይቲ ጒጅለ ከምኡ’ውን ኣብቲ ክፍሊ እቲ እንኮ ልዕሊ 18 ዝዕድሚኡ ሰብ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ምርኻብና ብዛዕባ ልቢ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዛረብ’ዩ። ኩሉ ግዜ፡ ንሕና ተቓለስቲ መንሽሮ ዝኾንና መንእሰያት ኣብቲ ቕዱስ ልቢ ናይ ክርስቶስ ኮፍ ኢልና ከም ዘለና’ዩ ዝዛረብ።
ኣብ ልቢ ናይ ክርስቶስ ዝካየድ ንጥፈታት’ምበኣር እዚ ዝስዕብ’ዩ፥ እቶም ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ወይ’ውን ዓሰርተ ንኸውን ሰባት ገለ ብእግርና ገለ’ውን ብዓረብያ ናብቲ ክፍሊ ንኣቱ፣ ካብቲ ዝተቐረበ ብሽኮትን ጽማቚ-ለሚንን ድሕሪ ምቊዳስ ከኣ ኣብቲ ክቢ ኮፍ ንብል፣ ንመበል ሽሕ ግዜ ዝኸውን ከኣ ፓትሪክ ነቲ መሰልከይ ዝኾነ ታሪኽ ህይወቱ ከዘንቱ ንሰምዖ። ሕማሙ መንሽሮ ናይ ፍረነብሲ ምዃኑ፡ ክመውት’ዩ ኢሎም ሓሲቦም ከም ዝነበሩ ግን ከም ዘይሞተ፡ ሕጂ ከኣ እኹል ሰብኣይ ኮይኑ፡ ኣብ ሓንቲ ቤተክርስትያን ናይታ ብጽባቐኣ ኣብ መበል 137 ተርታ ትስራዕ ከተማ ናይ ኣመሪካ ከም ዝርከብ ይትርኽ። ፓትሪክ ካብ ሓዳሩ ዝተፋትሐ ኮይኑ፡ ብዙሓት ኣዕሩኽ ስለ ዘይብሉ፡ ዝበዝሐ ግዜኡ ኣብቲ ዝተወለፎ ናይ ቪድዮ ጸወታታት’ዩ ዘሕልፎ። መዓልታዊ ካብቲ መንሽሮኣዊ ሕሉፉ እናገናጸለ ኣዝዩ ተራ ናብራ ይነብር። ቀስ እናበለ ከኣ ነቲ ንመጻኢ ህይወቱ ዝኾነ ኣበርክቶ ክህልዎ ዘይኽእል ናይ ማስተርስ ዲግሪ ይመሃር። መንሽሮ ንኽልቲአን ፍረነብሱ ወሲዱ፡ ነታ ‘ብርኽቲ’ ነፍሱ ገዲፉሉ እዩ። እቲ ደጋጊምና ንሰምዖ ታሪኽ ናይ ፓትሪክ እዚ’ዩ።
ብድሕሪኡ ንሕና ከኣ ነብስና ነላሊ፥ ስምካ፡ ዕድመኻ፡ ሕማምካ፡ ኣብታ መዓልቲ ከመይ ይስምዓካ ከም ዘሎ ድማ ትገልጽ። ተራይ ምስ በጽሐ፥ “ሄዝል ይበሃል፡” እብል። “ጓል 16 ዓመት’የ። ሕማመይ መበገሲኡ ኣብ ጒዕጒዕቲ’ዩ፣ ግን ከኣ ሰራዊት መንሽሮ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሳንቡአይ ሰሪቶም ኣለዉ። ሎሚ ከኣ ደሓን ኣለኹ።” ጒዕጒዕቲ (thyroid) ኣብ ክሳድና እትርከብ ታይሮክሲን ዝተባህለ ሆርሞን ተፍሪ ጽኪ’ያ።
ኩሉ ሰብ ተዛሪቡ ምስ ወደአ ፓትሪክ ዝኾነ ክንብሎ ንደሊ እንተሎ’ዩ ዝሓተና። እቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ከኣ ስርሑ ይጅምር፣ ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ዝቃለሶ ዘሎ ቃልሲ፡ ኲናት፡ ዓወት፡ ፍርሕን ትጽቢትን ይዛረብ። ሓቂ ንምዝራብ ፓትሪክ ብዛዕባ ሞት’ውን ክንዛረብ ይፈቕደልና’ዩ። ግን ዝበዝሑ ኣብቲ ጒጅለ ዝነበሩ ሰባት ንሞት ቀረባ ኣይኮኑን፣ ዝበዝሑ ከም ፓትሪክ ናብ ዓቕመ-ኣዳም ክበጽሑ’ዮም።
እዚ ማለት ከኣ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ውድድር’ዩ ዘሎ። ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ ንመንሽሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብቲ ክፍሊ ዘለዉ ሰባት’ውን ክስዕሮም’ዩ ዝደሊ። ዘይምኽንያታዊ ምዃኑ ይርድኣኒ’ዩ፣ ግን ከኣ ሓሙሽተ ዓመታት ንኽትነብር 20% ዕድል’ዩ ዘሎካ ክብሉኻ ከለዉ፡ እቲ ቊጽሪ ይስቆረካ’ሞ፡ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ሓደ ጥራይ ክነብር ከም ዝኽእል ይርድኣካ። ልክዕ ከም ሓደ ዝኾነ ጥዑይ ሰብ ዝገብሮ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ ከወድኦም ኣሎኒ ኢልካ ትሓስብ።
እታ እንኮ ደስ ትብለኒ ክፋል ናይዛ ናይ ሓገዝ ጒጅለ፡ ሸሊሕ ገጽን ሰጥ ኢሉ ንሓንቲ ዓይኑ ሸፊኑ ናብ ገጹ ዝወርድ ጻዕዳ ጸጒርን ዝውንን ኢሳቕ ዝስሙ ቀጢን ወዲ’ዩ። ናይዚ ወዲ ጸገሙ ኣዒንቱ’የን። ክትኣምኖ ዘጸግም ናይ ዓይኒ መንሽሮ’ዩ ዘለዎ። ቈልዓ ከሎ፡ ሓንቲ ዓይኑ ብመጥባሕቲ ካብ ቦታኣ ተኣልያ፡ ብባምቡላ ተተኪኣ’ያ። ሕጂ ከኣ ንኣዒንቱ (ነታ ጥዕይትን ነታ ባምቡላን) ልዕሊ ዓቐን ኣግዚፉ ዘርኢ፡ ኣዝዩ ረጒድ መነጽር’ዩ ዝወዲ። እዚ ከኣ ንገጹ፡ ኣፍጢጡ ዝጥምተካ ዘሎ ናይ ጥዑይ ሰብን ባምቡላን ገጽ የምስሎ። ኢሳቕ ኣብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ክዛረብ ከሎ ከም ዝሰማዕኩዎ፡ መንሽሮ ነታ ተሪፋ ዘላ ጥዕይቲ ዓይኑ’ውን ኣብ ናይ ዑረት ሓደጋ ኣብጺሕዋ ኣሎ።
ናተይን ናይ ኢሳቕን ርክብና፥ “ኡፍ!” ብምባል’ዩ። ገለ ኣባላት ጒጅለና ብዛዕባ ንመንሽሮ ንምቅላስ ዝሕግዝ ኣመጋግባ (ዝተጣሕነ ኽንፊ ሻርክ ብኣፍንጫካ ምስሓብ ወዘተ) ወይ ከምኡ ዝኣመሰሉ ነገራት ክዛረቡ ከለዉ፡ ኢሳቕ ናባይ ጠሚቱ ቀስ ኢሉ፥ “ኡፍፍፍ!” ይብል፡ ኣነ ድማ ርእሰይ ቁሩብ እናነቕነቕኩ፡ ቀስ ኢለ፥ “ኡፍፍፍ!” እምልሰሉ።
ነቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ኣመና ጸላእክዎ። ድሕሪ ገለ ሰሙናት ከኣ ንማማ ከዕገርግረላ ጀመርኩ። ኣብታ ንኣጋስተስ ዋተርስ ዝተላለኹላ ረቡዕ፡ ምስ ማማ ኣብ ሶፋ ኮፍ ኢልና 3ይ ዙር ናይቲ ዝፈትዎ ውድድር ፋሽን እናተኸታተልና፡ ካብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ክወጽእ ደልየ ብዝከኣለኒ ተኸራኸርኩ።
“ናብቲ ናይ ሓገዝ ጒጅለ ዝበሃል ኣይከይድን’የ።”
“ሓደ ካብ ምልክታት ጭንቀት፡ ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ዝነበረካ ድልየት ምጥፋእ’ዩ።”
“ማማ በጃኺ! እዚ ናይ ፋሽን ውድድር ጥራይ ዘይርኢ? እዚስ ንጥፈት’ንድዩ።”