ልምድታትካ ክትልውጥ ትሽገር እንተለኻ እቲ ሽግር ንስኻ ኣይኮንካን፡ ኣገባብካ እዩ። ሕማቕ ልምድታት ዝደጋገሙሉ ምኽንያት ንስኻ ክትልወጥ ስለ ዘይደለኻ ኣይኮነን፡ ብጌጋ ኣገባብ ክትምራሕ ትፍትን ስለ ዘለኻ እዩ።

ሕጂ ናብታ ኣገዳሲት ሕቶ ንምጻእ፥ ንሸቶታትካ ምሉእ ብምሉእ ዕሽሽ ኢልካ ኣብ ኣገባብካ ጥራይ እንተ ’ድሂብካ ኽትዕወት ትኽእልዶ? ናይ ኲዕሶ እግሪ ኣሰልጣኒ ኢኻ ንበል። ጐብለል ናይ ምዃን ሸቶኻ ዕሽሽ ኢልካ፡ ኣብቲ ጋንታኻ ተካይዶ መዓልታዊ ልምምድ ጥራይ እንተ ’ድሂብካ ውጽኢታት መመዝገብካዶ?

ኣነ፡ መመዝገብካ እየ ዝብል።

ናይ ዝኾነ ስፖርታዊ ውድድራት ሸቶ፡ ዝለዓለ ነጥቢ ሒዝካ ውድድርካ ምፍጻም እዩ፣ ምሉእ ግጥም ናብ መመዝገቢ ነጥቢ ክትጥምት ከተሕልፎ ግን ዕሽነት እዩ። እቲ እንኮ ኽትዕወተሉ ትኽእል መገዲ መዓልታዊ ብምምሕያሽ እዩ። እቲ ሰለስተ ግዜ ጐብለል ኲዕሶ እግሪ-ኣመሪካ ዝኾነ ቢል ዎልሽ ከም ዝበሎ፥ “ነጥቢ ባዕሉ ይፈልጥ!” ኣብ ካልእ መዳያት ህይወትና’ውን እቲ ሓቂ ንሱ እዩ። ዝሓሸ ውጽኢታት እንተ ደሊኻ፡ ሸቶታት ምስራዕ ግደፎ፣ ኣብ ኣገባብካ ጥራይ ኣድህብ።

እዚ ማለት ግን እንታይ ማለት እዩ? ሸቶታት ምሉእ ብምሉእ ኣይረብሑን እዮም ማለት ድዩ? ብፍጹም። ሸቶታት መኣዝን ኣብ ምፍጣር ኣገደስቲ እዮም፣ ክትምዕብል እንተ ዄንካ ግን ኣገባባት ይምረጹ። ኣገባባት ኣብ ምውጣን ተሕልፎ ግዜ ኣውሒድካ፡ ብዛዕባ ሸቶታት ጥራይ ክትሓስብ እንተ ውዒልካ ዝፍጠሩ ጸገማት ኣለዉ።

ጸገም ቊ. 1፥ ዕዉታትን ፍሹላትን ሓደ ዓይነት ሸቶታት ኣሎዎም።

ኣብ’ቶም ዕዉታት ኮይኖም ዝወጽኡ ሰባት ስለ ነተኲር፡ ዓበይቲ ሸቶታት እንተ ሃልዮምኻ ናብ ዓወት ከም ትበጽሕ ንድምድም። ነቶም ሓደ ዓይነት ሸቶታት ሒዞም ዝተበገሱ ግን ከኣ ዘይተዓወቱ ኣይንርእዮምን ኢና።

ኩሉ ተወዳዳሪ ኦሊምፒክ፡ መዳልያ ኽዕወት ይደሊ እዩ። ኩሉ ኣመልካቲ፡ ስራሕ ክቚጸር ይደሊ እዩ። ስለዚ ዕዉታትን ዘይዕዉታትን ሰባት ሓደ ዓይነት ሸቶታት እንተ ሃልዩዎም ንኽልቲኦም ዝፈላልዮም እቲ ሸቶ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ንብሪጣንያውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ናብ ጥርዚ ዘብጽሖም ዙር ፈረንሳ ናይ ምዕዋት ሸቶኦም ኣይኮነን። ከም ዝኾነት ካልእ ጋንታ ነቲ ውድድር ናይ ምዕዋት ድሌት ካብ ቀደሞም ነይሩዎም። እቲ ሸቶ ኻብ ቀደሙ ከምኡ እዩ ነይሩ። ብንኣሽቱን ቀጻልን ምዕባለታት ዝቘመ ኣገባብ ምስ ፈጠሩ ግን ፍሉይ ውጽኢት ኣመዝጊቦም።

ጸገም ቊ. 2፥ ሸቶ ምህራም፡ ካብ እዋናዊ ለውጢ ኣይሓልፍን እዩ።

ግዕዙይ ክፍሊ ኣሎካ ንበል፡ ንኣ ንምጽራይ ድማ ሸቶ ኣዳሊኻ ኣለኻ። ንምጽራይ ዝኸውን ጸዓት እንተ ኣኪብካ ጽርይቲ ኽፍሊ ኽትህልወካ እያ - ንሕጂ። እቲ ኽፍሊ ዘጋዕዚ ባህሪኻ ወይ ልምድኻ እንተ ዘየቋሪጽካዮ ግን ሓድሽ ጐሓፍ ተኣኪቡ ኽጸንሓካ እዩ፣ ከም ብሓድሽ ድማ ድርኺት ኣናዲኻ ከተጽሪ ኽትብገስ ኢኻ። ነቲ ዘስርሓካ ኣገባብ ስለ ዘይቀየርካ ሓደ ዓይነት ውጽኢት ናብ ምጒንጻፍ ጥራይ ኢኻ ክትጐዪ።

ሸቶ ምህራም፡ ንህይወትካ ንግዜኡ ጥራይ እዩ ዝልውጦ። ውጽኢታትና ኽንልውጦም ዘሎና እዩ ዝመስለና፣ እቲ ጸገም ግን ኣብ ውጽኢታትና ኣይኮነን ዘሎ። እቲ ናይ ብሓቂ ኽንልውጦ ዝግብኣና ነቶም ውጽኢታት ዘስዕቡ ኣገባባት እዮም። ጸገማት ኣብ ናይ ውጽኢታት ደረጃ ዄንካ እንተ ፈቲሕካዮም ንግዜኡ ጥራይ ኢኻ ትፈትሖም። ነባሪ ምዕባለ ንኸተምጽእ ንጸገማት ኣብ ናይ ኣገባባት ደረጃ ዄንካ ኽትፈትሖም ኣሎካ። ነቲ ዝኣቱ ኣዐርዮ’ሞ እቲ ዝወጽእ ባዕሉ ኽዕረ እዩ።

ጸገም ቊ. 3፥ ሸቶታት ጸረ-ሓጐስ እዮም።

ድሕሪ ነፍስወከፍ ሸቶ ዘሎ ርድኢት እዚ እዩ፥ “ሸቶይ ምስ ሃረምኩ ሕጒስ ክኸውን እየ።” ንሸቶታት ቀዳምነት ምሃብ ዘስዕቦ ጸገም ግን ክሳዕ እታ ትቕጽል ሸቶ ትሃርም፡ ንሓጐስ ተወንዝፎ ምህላውካ እዩ። ናብዚ መጻወድያ’ዚ ዘይተኣደነ ግዜ ወዲቐ ኣለኹ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ንሓጐስ እቲ ናይ መጻኢ ኣነ ጥራይ ከስተማቕሮ ኸም ዝግብኦ ነገር ሓሲበ ኣወንዚፈዮ ነይረ። ጭዋዳታተይ ምስ ሃነጽኩ ወይ ድማ ዋኒነይ ኣብ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ምስ ተሓትመት ክቐስን እየ እብል ነይረ።

ብተወሳኺ፡ ሸቶታት፡ ‘እዚ ወይ እቲ’ ዝብል ግርጭት እዮም ዝፈጥሩ፥ ሸቶታትካ ትሃርም’ሞ ዕዉት ትኸውን ወይ ድማ ትወድቕ’ሞ ፍሹል ትኸውን። እዚ ኣካይዳ’ዚ ጌጋ እዩ። ኣብ ህይወትካ ትጐዓዞ ሓቀኛ መገድን እቲ ኣብ ርእስኻ ዝነበረ መገድን ኣይመሳሰልን እዩ። ናብ ዓወት ዘብጽሑ ሓያሎ መገድታት ከለዉ ዕግበትካ ኣብ ሓንቲ መገዲ ጥራይ ክትዓጽዎ ትርጒም የብሉን።

ስለዚ እቲ ፈውሲ፡ ንኣገባባት ዘቐድም ኣተሓሳስባ እዪ። ኣብቲ መስርሕ’ምበር ኣብቲ ፍርያት ኣይተድህብ’ሞ ንኽትሕጐስ ፍቓድ ትጽበየሉ ምኽንያት የሎን። ብኣገባብካ እናሰራሕካ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ኽትሕጐስ ትኽእል ኢኻ። ኣገባብ ድማ ብብዙሕ ዝተፈላለየ መገዲ ዕዉት ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እታ መጀመርታ ዝሓሰብካያ ጥራይ ትኸውን ማለት ኣይኮነን።

ጸገም ቊ. 4፥ ሸቶታትን ነባሪ ምዕባለን ኣይቃደውን እዮም።

ብዙሓት ጐየይቲ ንኣዋርሕ ይጽዕሩ፡ ነታ ናይ መወዳእታ መስመር ምስ ሰገሩዋ ግን ልምምድ የቋርጹ። እቲ ቕድድም ስለ ዘየሎ ድርኺት የሎን። ኩሉ ጻዕርኻ ኣብ ሓንቲ ሸቶ ዘተኰረ እንተ ኾይኑ ንኣ ምስ ረኸብካያ ንቕድሚት ዘገስግሰካ ነገር እንታይ ኣሎ? ብዙሓት ሰባት ሸቶኦም ምስ ሃረሙ ናብ ናይ ቀደም ልምዶም ዝምለሱሉ ምኽንያት እዚ እዩ።

ነቲ ጸወታ ኽትዕወተሉ እንተ ደሊኻ ሸቶታት ስራዕ፣ ነቲ ጸወታ ምጽዋት ክትቅጽል እንተ ደሊኻ ግን ኣገባባት ህነጽ። እቲ ናይ ብሓቂ ነባሪ ዝብሃል ኣተሓሳስባ፡ ሸቶታት-ኣልቦ ኣተሓሳስባ እዩ። እቲ ኣተሓሳስባ፡ ሓንቲ ዓወት ጥራይ ምጒንጻፍ ማለት ኣይኮነን፣ ዘይውዳእ ምርቓቕን ቀጻሊ ምዕባለን ዘሎዎ ዑደት እዩ። ኣብ መወዳእታ ናብ ምዕባለ ዘብጽሓካ ረቛሒ ኣብቲ መስርሕ ዘሎካ ጽንዓት እዩ።