“ብኸመይ ደኣ ኣነኸ ሃብታም ዘይኮንኩ፧” ብዙሓት ሰባት ነዚ ሕቶ'ዚ ንነብሶም ካብ ምሕታት ዓዲ ኣይውዕሉን እዮም። መብዛሕትኡ እዋን እዞም ሰባት ጻዕራማት፡ ኣዝዮም ምሁራትን ልዑል ኣታዊ ዘሎዎምን እዮም። ስለምንታይ እዩ ደኣ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ጥራይ ሰብ-ጸጋ ዝኾኑ፧ እቲ መልሲ፡ ኣብዛ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ንሰባት ካብ ምምሃር ዓዲ ዘይወዓለት መጽሓፍ ተጻሒፉ ኣሎ።

መን እዩ ሃብታም፧

ንሓደ ተራ ኣመሪካዊ፡ ሃብታም ዝብል ቃል ንኽገልጽ ምስትሓቶ፣ መብዛሕትኦም ነቲ ኣብ መዝገበ-ቓላት ወብስተር ዘሎ ትርጉም ምመለሱልካ። ንኣኣቶም ሃብታም ማለት ኣዝዩ ብዙሕ ንብረት ዝውንን እዩ።

ንሕና ንሃብታማት ብዝተፈልየ መገዲ ኢና ንገልጾም። ንሃብታም፡ ቱጃር ወይ’ውን ብዓል-ጸጋ ብዝውንንዎ መጠን ንብረት ኣይኮናን ንገልጾም። መብዛሕትኦም እቶም ብልዑል መጠን ሃልቂ ዝልለ ቕዲ ናብራ ዘለዎም ሰባት፡ ኣዝዩ ንኡስ ወይ ፈጺሙ ወፍሪ የብሎምን። ማለት ኣብ ክብሮም ዘይንክን ኣታዊ ዘምጽኡን ጸጋታት፡ ሓባራዊ ብርክታት / ብርክታት (common stock) ቦንድታት፡ ብሕታዊ ዋኒን፡ መሰል ብጽሒት ነዳዲ / ጋዝ፡ ሕርሻ ኣግራብ ወፍሪ የብሎምን።  ብኣንጻሩ እቶም ሃብታማት ኢልና እንገልጾም ሰባት፡ ካብቲ ብኣዝዮም ዝኸበሩ ንብረታት ብምጥራይ ዝልለ ቕዲ ኣነባብራ ንላዕሊ፡ ኣታዊ ዝፈጥሩ ብርክት ዝበሉ ጸጋታት ብምውናን ዝያዳ ሓጐስ ይረኽቡ።

ዓቐናዊ መግለጺ ሃብታም

ሓደ ሰብ ሃብታም ምዃኑን ዘይምዃኑን እንውስነሉ ሓደ መገዲ፡ ኣብ ጽሩይ ሃብቲ (net worth) ዝተመርኰሰ እዩ። ጽሩይ ሃብቲ ዝበሃል ሓደ ጸጋ ዝህልዎ ዕዳታት / ተኣዋኣድነት ምስ ጐደሎ ዝትመኖ ህሉው ዋጋ (ጸጋ - ዕዳ= ጽሩይ ሃብቲ) እዩ (ኣብ ናይ ሕድሪ / ትራስት ሕሳባት እቲ መበገሲ ገንዘብ ኣይቅመርን እዩ)። ኣብዛ መጽሓፍ እቲ ኸም ሃብታም ዝሕሰብ 1 ሚልዮን ዶላር ወይ’ውን ልዕሊኡ ጽሩይ ሃብቲ ዘለዎ ጥራይ እዩ። ካብዚ ትርጉም’ዚ ብምብጋስ ኣብ ኣመሪካ ኻብ ዘለዋ 100 ሚልዮን ስድራቤታት፡ እተን 3.5 ሚልዮን (3.5%) ጥራይ እየን ከም ሃብታማት ዝቝጸራ። ካብ’ቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ሚልዮነራት ኣስታት 95% ካብ 1 ክሳብ 10 ሚልዮን ዶላር ዝዝርጋሕ ጽሩይ ሃብቲ ኣሎዎም። መብዛሕትኡ ኣብዛ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ መግለጺ ነዚ ኽፋል ሕብረተ-ሰብ ዘማእከለ እዩ። እቲ ትዅረት ስለምንታይ ናብዚ ጉጅለ’ዚ ቐኒዑ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ደረጃ ሃብቲ’ዚ ኣብ ግዜ ሓደ ወለዶ ኽብጻሕ ስለ ዝኽእል። እዚ ብብዙሓት ኣመሪካውያን ክብጻሕ ዝኽእል ደረጃ እዩ።

እትምነዮ ደረጃ ሃብቲ

ሓደ ሰብ ወይ ስድራቤት ሃብታም ድዩ ኣይኮነን እንውስነሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ በቲ ኽበጽሕዎ ትጽቢት ዝገብርሉ ደረጃ ጽሩይ ሃብቲ እዩ። ናይ ሓደ ሰብ ኣታውን ዕድመን ኣብ ምውሳን ደረጃኡ (ክብሩ / ዋግኡ) ናይቲ ሰብ ወሰንቲ ረቛሒታት እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ ሰብ ብርኩት ኣታዊ ምስዝህልዎ ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ጽሩይ ሃብቱ ኽልዕል ትጽቢት ይግበረሉ (እቲ ሰብ ጥሮታ ኸም ዘይወጸ ብምሕሳብ)። ብተመሳሳሊ፡ ኣታዊ ናይ ሓደ ሰብ ንነዊሕ ግዜ  ዝኸይድ ምስዝኸውን፡ ብኡ መጠን ብዙሕ ሃብቲ ከኻዕብት ተኽእሎ ኣሎዎ። ስለዚ እቶም ብዕድመ ዓበይቲ ሰብ ልዑል ኣታዊ፡ ካብ’ቶም ብዕድመ ዝነኣሱን ንኡስ ኣታዊ ዘለዎምን ንላዕሊ ሃብቲ ኸዋህልሉ ኣሎዎም።

እቶም ዝበዝሑ ኣብ ክሊ ዕድመ 25-65 ዕድመ ዝርከቡን እቶም 50,000 ዶላር ወይ ልዕሊኡን ርጉጽ ዓመታዊ ኣታዊ ዘለዎም መብዛሕትኦም ኣመሪካውያንን፡ ዝበጽሕዎ ተመጣጣኒ ደረጃ ሃብቲ ኣሎ። እቶም ካብዚ ደረጃ’ዚ ኣዝዮም ንላዕሊ ዘለዉ ኸኣ፡ ምስ’ቶም ኣብ ናቶም ጉጅለ ዕድመን ኣታውን ዘለዉ ብምንጽጻር ከም ሃብታማት ክቝጸሩ ይኽእሉ እዮም።

ንኣብነት፤ ሓደ ሰብ ጽሩይ ሃብቱ 460,000 ዶላር ክነሱ፡ ገና ሚልዮነር ከይበጽሐ ኸመይ ገይሩ ኸም ሃብታም ክቝጸር ይከኣል፧ ዝብል ሕቶ ኸተልዕል ትኽእል ኢኻ።

ቻርለስ ቦቢንስ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ሰራሕተኛ መጥፋእቲ ሓዊ እዩ። ብዓልቲ-ቤቱ ጸሓፊት እያ። ብድምር ዓመታዊ ኣታዊኦም 55,000 ዶላር ይበጽሕ። ብመሰረት ውጽኢት መጽናዕትና፡ ኣቶ ቦቢንስ ኣስታት 225,500 ዶላር ጽሩይ ሃብቲ ኽህልዎ ይግባእ። ኮይኑ ግን ካብ’ቶም ብመንጽር ዕድመን ኣታውን ጉጅለ መዛንኡ ዝለዓለ ሃብቲ ኣሎዎ። ኣቶ ቦቢንስን ብዓልቲ-ቤቱን፡ ልዕሊ ማእከላይ ገምጋም ጽሩይ ሃብቲ ከኻዕብቱ ኽኢሎም። እዞም መጻምዲ ብናይ ሰራሕተኛ መጥፋእቲ ሓውን ጸሓፊትን ኣታዊ፡ ብኸመይ ከም ዝናበሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውሑድ ዘይብሃል ገንዘብ’ውን ክቝጥቡን ከውፍሩን ዝኸኣሉ እዮም። ኣብ ቕዲ ኣነባብራኦም ገፋሕፋሕ ዘየብዝሑ ይመስሉ። ነዚ ቕዲ ኣነባብራኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣቶ ቦቢንስ፡ ከይሰርሐ ንስድራቤቱ ንዓሰርተ ዓመታት ከናብሮም ይኽእል እዩ። ኣብቲ እንዳ ቦቢንስ ብመንጽር ዕድመን ኣታውን ዝተሰርዕሉ ጉጅለ፡ ንሶም ሃብታማት እዮም።

እንዳ ቦቢንስ፡ ካብቲ ወዲ 56 ዓመት ዶክተር ጆን ጄ ኣሽተን ኣዝዮም ዝተፈልዩ እዮም። ዶክተር ጄ ኣሽተን ዓመታዊ ኣታዊኡ ኣስታት 560,000 ዶላር እዩ። ዋጋ /  ክብሪ ዶክተር ኣሽተን ክንደይ እዩ፧ ሃብታም ድዩኸ፧ ብመሰረት ሓደ ኻብ’ቶም ዘቐመጥናዮም ናይ ሃብቲ ትርጉማት ጽሩይ ሃብቱ 1.1 ሚልዮን ዶላር ዝኾነ፡ ሃብታም እዩ። በቲ ኻልኣይ ዝሃብናዮ ትርጉም ክግምገም ከሎ ግን፡ ሃብታም ኣይኮነን። ዕድሚኡን ኣታዊኡን ኣብ ግምት ብምእታው ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ጽሩይ ሃብቲ ኽህልዎ ይግባእ ነይሩ።

ምስቲ ልዑል ሃልቂ ዘለዎ ቕዲ ናብርኡ፡ ዶክተር ኣሽተን ብዘይ ስራሕ (ብዘይ ወርሓዊ ኣታዊ) ንኡን ንስድራኡን ንኽንደይ ዓመታት ኮን ከናብሮም ምኸኣለ፧ ምናልባት ንኽልተ እንተ በዝሐ ንሰለስተ ዓመታት ጥራይ እዩ!

ደረጃ ሃብትኻ ብኸመይ ይምዘን፧

ዕድመኻ ይኹን ኣታዊኻ ብዘየገድስ፡ ኣብዛ ግዜ’ዚኣ ኽብሪ ዋጋኻ ክንደይ ምኾነ፧ ካብቲ ነዊሕ ዓመታት ንልዑል ኣታዊ ወይ ጽሩይ ሃብቲ ዘለዎም ሰባት ዝምልከት ዝገበርናዮ ሓያሎ ዳህሳሳዊ መጽናዕትታት፡ ኣብ ብዙሐ ተቐያየርቲ ረቛሒታት ዝምርኰስ ናይ ሃብቲ ምዕሪታት (equations) ኣማዕቢልና ኣሎና። ተሞክሮኣዊ ገምጋም ከም ዘነጽሮ፡ እዚ ምዕሪታት፡ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ሓደ ሰብ ጽሩይ ሃብቲ ንምቕማር ብቕዓቱ ዘመስከረ እዩ።