ኣብ ምስጢራዊ ዓለም ሰለይትን ሕቡእ ስርሒታትን ከም ሞሳድ ገይሩ ብጽዋታትን ምስጢራትን ዝተኸበበ ትካል ስለያ የሎን። ጐርደን ቶማስ፡ ምስ ወኪላት ሞሳድ፡ ተሓባበርትን ላዕለዎት ሓለፍትን ካብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትታት ከምኡ’ውን ምስጢራዊ ሰነዳት ዝኣከቦ ሓበሬታን ታሪኽን ብልቢ ዘንጠልጥል ኣዘናትዋ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።

31 ሓምለ 1997 ክልተ ኣባላት ሓማስ ኣብ ማእከል ዕዳጋ እየሩሳሌም መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ 15 እስራኤላውያን ክቐትሉ ኸለው 157 ከኣ ኣቝሰሉ። ሽዑ መዓልቲ ቐዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ህጹጽ ኣኼባ ጸውዐ። ኣብቲ ኣኼባ ሓላፊ ሞሳድ ዳኒ ያቶም ተሳቲፉ ነበረ። እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር፡ ካብቲ ብስምዒት መግለጺ ዝሃበሉ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተመሊሱ እዩ ብቐጥታ ናብቲ ኣኼባ ኣትዩ። ‘ወጠንቲ'ዚ ነፍሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ኸየጥፍኦምን ከየዳኸሞምን ፈጺሙ ኸም ዘይድቅስ' መብጽዓ ኣትዩ እዩ ኻብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተመሊሱ።

ነታንያሁ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን ዘንጸባረቖ ምስሊ፡ ከም ኣዝዩ ህዱእን ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ጽኑዕን መሲሉ እዩ ቐሪቡ። ኣብዚ ኻብ ዓይኒ ካሜራ ርሒቑ፡ ያቶምን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት ስለያን ፖለቲካዊ ኣማኻሪኡን ጥራይ ዝነበርዎ ኣኼባ ግን፡ ዝተፈለየ ምስሊ እዩ ኣንጸባሪቑ፣ ህድኣት ኣይነበሮን። ትንታነኣዊ ብቕዓቱ'ውን ጠፊኡ እዩ ነይሩ። ብተደጋጋሚ ንዘረባ ተሳተፍቲ ኣብ መንጐ እናዀለፈ፣ “እዞም በዓለገታት ሓማስ ክርከቡ ኣለዎም፡" እናበለ ይጭድር ነይሩ።

ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ ዝነበረ ሰብ ከም ዝምስክሮ፣ “ኣብዚ ተኣኪብኩም ዘለኹም፡ ብኸመይ እዚ ዝብሎ ዘለኹ ይትግበር ክትነግሩኒ እዩ። ብዛዕባ ዝወስዶ ሕነ ምፍዳይ ካብ ጋዜጣታት ከንብብ ኣይደልን እየ። እዚ ጕዳይ ፍትሒ እዩ፣ ብቐንዱ ኸኣ ነቶም ዝበደሉ ምቕጻዕ እዩ፡"  ከም ዝበለ ኸኣ ይዛረብ። ብኸምዚ መገዲ ድማ እቲ ኣጀንዳ ተሰርዐ።

ያቶም ነቲ ኸም ውዑይ ሽሮ ዝናጠር ባህሪ ናይቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ስለ ዝፈልጦ፡ ኣብቲ ጣውላ ጸግዑ ሒዙ ስቕ ኢሉ ኸሎ፡ ነታንያሁ ጠራዕራዑ ቐጸለ፣ “ርእሶም ክቝረጹ ኣለዎም፣ ሞይቶም ክርኢ እደሊ ኣለኹ፣ ብኸመይ ይፍጸም ንኣይ ዘገድሰኒ ኣይኮነን፣ ተፈጺሙ ጥራይ ክርኢ ኣሎኒ፣ ክደናጔ ኣይደልን እየ፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኽትግበር ኣሎዎ።"

ቀጺሉ ነታንያሁ፡ ናይ ኵሎም ሓለፍቲ ሓማስ ዝርዝርን ኣድራሻኦምን ያቶም ከቕርበሉ ምስ ሓተቶ፣ እቲ ኣኼባ ወጥሪ እናሰፈኖ ኸደ። ቅድሚኡ ኻብ ዝነበሩ ቐዳሞት ሚኒስተራት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ንስርሒታዊ ንጥፈታት ዝምልከት ተኣፋፊ ሓበሬታ ገና እቲ ስራሕ ከይተጀመረ፡ ሓቲቱ ዝፈልጥ ኣይነበረን። መብዛሕትኦም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ኸኣ ነታንያሁ (ቢቢ) ነታ ጕዳይ ባዕሉ ኽተሓሓዛ ከም ዘንቀደ ዘነጽር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ዘሎ ኾይኑ ተሰምዖም።

ነታንያሁ ኣቐዲሙ ኽገብሮ ብዝጸንሐ ምትእትታው፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሓለፍቲ ሞሳድ ዘይቅሳነት ፈጢሩ ነይሩ እዩ። እዚ፡ ነቲ ዝጸንሐ ስግኣት መሊሱ ዘጋድድ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ግዲ ኾይኑ፣ ያቶም እቲ ዝርዝር ቀስ ኢሉ ደሓር ከም ዘቕርበሉ ሓበሮ። ኣብታ እዋን'ቲኣ ግን፡ ኣብ ግብራዊ መዳይ ናይቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጕዳይ ኣብ ምድህሳስ ምትኳር ከም ዝሓይሽ ርእይቶኡ ኣፍሲሱ። ቀጺሉ ኣድራሻ ነፍስ-ወከፍ ሓላፊ ሓማስ ምርካብ ማለት፣ “ነተን ኣብ ፋኛቱራታት በይሩት ዝነበራ ኣናጹ በብሓደ ኸም ምድላይ እዩ፡" ብምባል ዘረብኡ ዛዘመ።

ነታንያሁ ደጊሙ ነደረ፣ ንሱ ምኽኒት ዘይኮነ ስሉጥ ስጒምቲ ኽውሰድ እዩ ዝደሊ ነይሩ። እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ፡ መብዛሕትኦም እቶም መኰንናት ስለያ፡ ‘ነታንያሁ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ፖለቲካዊ ጠቓምነትን ስርሒታት ዝጠልብዎ ተክኒካዊ ኣካይዳን ዘሎ ደረት ሕንጻጽ፡ ይጥሕስ ኣሎ፡' ዝብል መረዳእታ ሒዞም እዮም ወጺኦም። ነፍስ-ወከፍ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ሰብ፡ ነታንያሁ ኣብ ንጥፈታት ህዝባዊ ርክባቱ፡ መልክዑ ዘሐድሰሉ ጽልዋ ኸም ዘድልዮ ዘይተገንዘበ ኣይነበረን። እቲ ‘ኣብ ልዕሊ ሽብርተኛታት ተሪር ስጒምቲ ምውሳድ' ዝብል ኣብ ምርጫ ዘዐወቶ ፖሊሲ፡ ባዶ ጭርሖ ኸም ዘይኮነ ንህዝቢ ዘእምነሉ ኣጋጣሚ ኽፈጥር ይደሊ ነይሩ። ኣብቲ እዋን'ቲ ብብዙሕ ጠቐነታት እዩ ተኸቢቡ ነይሩ። እንተ ኾነ፡ ነቲ ጠቐነታት ንኻልኦት ኣሕሊፉ ብምሃብ ግዳይ ይገብሮም ነይሩ። ካብዚ ዝተበገሰ ኸኣ ህቡብነቱ ኻብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ባይታ ዘቢጡ ነይሩ። ኵሉ ውልቃዊ ህይወቱ ኣብ ዓምዲ ጋዜጣታት ሰፊሩ እዩ። ኵሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ኸም ዘሎ ኸርኢ ነይርዎ። ምቕንጻል ሓለቓ ሓማስ ከኣ ነዚ ዝሕግዝ እዩ ነይሩ።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል-ስልጣን ስለያ፣ “ነቲ ተመን ክትቀትል ርእሱ ቝረጾ ዝብል መትከል፡ ኵልና ዝተሰማማዕናሉን ተቓውሞ ዘይቀረበሉን ጕዳይ እዩ ነይሩ። እቲ ዘተሓሳስበና ናይ ግዜ ጕዳይ ጥራይ እዩ። ሕጂ ግድን ስጒምቲ ይወሰድ ዝብል ዘረባ ቢቢ፡ ቍም ነገር ዘለዎ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ስርሒት ንምክያድ ኣዝዩ ጥንቁቕ ውጥን ምድላው ይሓትት። ቢቢ ግን ናይ ኮምፕዩተር ጸወታ ገይርዎ ቕልጡፍ ውጽኢት ደልዩ። ወይ ከኣ ከምቲ ንምዕዛቡ ዝፈትዎ ናይ ቀደም ፊልም ሓያላ ገይሩ ወሲድዎ። ኣብ ጋህዲ ዓለም ግን ብኸምኡ ዝኸይድ ነገር የሎን፣ ዝሰርሕ'ውን ኣይኮነን።" ዝበሎ፡ ነቲ ዝነበረ ዅነታት ብንጹር ዘንጸባርቕ መግለጺ እዩ ነይሩ።

ያቶም ናብ ኵለን ሃገራት ዓረብ፡ ቃዛን ምዕራባዊ ገማግምን ካትሳታት ብምስዳድ፣ እቶም ሕቡኣን መራሕቲ ሓማስ ንምርካብ ተፍትሽ ተተሓሓዞ። ገስጋስ ስራሑ ንኽሕተት ከኣ ክሳዕ ነሓሰ 1997 ብዙሕ ግዜ ብቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ተጸዊዑ እዩ። ዝረኸቦ ሓድሽ ሓበሬታ ግን ኣይነበሮን። ኣብቲ እዋን፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣብ ልዕሊ ያቶም ዝገብሮ ዝነበረ ጸቕጥታት፡ እቶም ግኑናት ኣጀንዳ ዕላላት ኣብ መንጐ ማሕበረ-ኮም ስለያ እስራኤል እዮም ነይሮም። ያቶም፡ ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ብምድራብ፡ እቲ ስራሕ ከቀላጥፎን ኣብ ሓጺር ግዜ እቲ ዝድለ ውጽኢት እንተ ዘይኣምጺኡ፡ ነታንያሁ ካልእ ኣማራጺ ኸም ዝወስድ ኣመተሉ። እዚ፡ ንሓለቓ ሞሳድ ንምፍርራሕ ሓሲብዎ እንተ ነይሩ ኣይሰርሓሉን። ያቶም፣ “እቲ ኽግበር ዝከኣል ንገብር ኣሎና፡" ዝብል ሓጺር መልሲ ጥራይ እዩ ዝህብ ነይሩ። እዚ ‘ካልእ ኣማራጺ' ዝብል መጠንቀቕታ ቐዳማይ ሚኒስተር፡ ንያቶም ካብ ስራሑ ምብራር ማለቱ እንተ ኾይኑ፣ ስልጣኑ ዘፍቅደሉ ዝኾነ ነገር ክገብር ይኽእል እዩ። እንተ ኾነ፡ ንተራ ነታንያሁ ዝምልከቱ ሕቶታት፡ ኣብ ህዝቢ ኽትዕ ከለዓዕል ምዃኑ ርዱእ እዩ ነይሩ። እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ግን፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን መራሒ ሓማስ ክቕተል ድፍኢቱ ቐጸለ።

409163181_699508962398339_6956185323759911971_n.jpg

ኣብ መስከረም 1997 ነታንያሁ ገስጋስ ስራሕ ያቶም ንምፍላጥ፡ ለይቲ ኣብ ሓዲግ ሰዓት ከይተረፈ ተሌፎን ምድዋል ተተሓሓዞ። ተደጋጋሚ ጸቕጢ ዝበዝሖ መራሒ ሞሳድ ክንብርከኽ ተገደደ። ካትሳታት ካብ ካልእ ነቝጣታት ብምስሓብ፡ ናብዚ ሓድሽ ዕማም ኣዋፈረ። ያቶም ምስ ነፍስ-ወከፍ ሓድሽ ጠለብ ነታንያሁ ነቲ ኣሰራርዓ ካርታ ቐጻሊ ይቐያይሮ ነበረ። ሓደ ሰብ ነቲ ዅነታት ክገልጾ ኸሎ፣ “ያቶም ተሪር ሰብ እዩ። ነታንያሁ ዓቕልኻ ዘጸንቅቕ ሰብ እዩ። ቢቢ ንያቶም ጸቕጢ ንምግባር ይሕግዝ እዩ ዝበሎ ናይ ዓቢ ሓዉ ኣብነት ደጋጊሙ የምጽኣሉ፣ “ (እስራኤላውያን ዝሓዘት ነፋሪት ተጨውያ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ኡጋንዳ ምስ ዓለበት) ዓቢ ሓዉ፡ ከመይ ገይሩ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ነቶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ዝነበሩ ጨወይቲ ኽጥቅዑ ኸም ዝገበረ የዘንትወሉ። እዚ ምስዚ ሕጂ ዝድለ ዘሎ ዕማም ፈጺሙ ዘይነጻጸር'ኳ እንተ ኾነ፡ ቢቢ ግን ከምኡ እዩ። ዝኾነ ንሱ ዝደልዮ ኣጀንዳ ንኸተግብር ዘይፍንቅሎ ነገር የሎን።"

9 መስከረም፡ ሓማስ ንኻልኣይ ግዜ መጥቃዕቲ ኸም ዝፈጸመ ዘረድእ ሓበሬታ ናብ ተል-ኣቪቭ በጽሐ። ሓማስ፡ ኣብ ርእሰ-ኸተማ ዮርዳኖስ ዝተኸፍተ ሓድሽ ኤምባሲ እስራኤል ብምጥቃዕ፡ ክልተ ዘብዐኛታት ናይቲ ከም ባህላዊ ኣታሸ ኾይኑ ዝተመዘዘ ብዓል-ስልጣን ብኸቢድ ኣቝሰለ።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ነታንያሁ፡ እየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ንያቶም ምስኡ ኽምሳሕ ዓደሞ። ኣብ መንጐ እቲ ምሳሕ ከኣ ነታንያሁ ንመጥቃዕቲ ኣማን ዝምልከቱ ሕቶታት ከዝንበሉ ጀመረ። ከመይ ገይሮም ዕጡቓት ሓማስ ክትኵሱ ኣብ ዘኽእሎም ርሕቐት ክቐርቡ ኽኢሎም፧ ስለምንታይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ኽወሃብ ዘይተኻእለ፧ እቲ ኣብ ኣማን ዘሎ ወኪል ስለያ እንታይ ይገብር ነይሩ፧

ያቶም ንነታንያሁ ዘረብኡ ብምኹላፍ፣ “ካልድ መሽዓል ዝተባህለ ሓደ ኻብ ሓለፍቲ ሓማስ፡ ኣብ ከተማ ኣማን ከም ዘሎ ፈሊጥና ኣሎና። ንሱ ንፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ናይቲ ውድብ፡ ኣብታ ኸተማ ኣብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈቱ ኾይኑ የመሓድሮ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ገይሹ ቐንዩ። ሕጂ ግን ናብ ኣማን ተመሊሱ ኸም ዘሎ ወኪልና ጸብጻብ ኣመሓላሊፉልና ኣሎ፡" በሎ።

ነታንያሁ እቲ ዘረባ ሃንደበት ኮይንዎ፣ “እንታይ ደኣ ትጽበ ኣለኻ፧ ኪዱ ኣቃብጽዎ፡" በሎ ብስግሩ ኣብ ዝነበረ ጣውላ ኾይኑ። “ካብኡ ሓሊፍኩም እንታይ ክትገብሩ ደሊኹም፧ ናብ ኣማን ልኡኻትካ ሰዲድካ ቐንጽሎ፡" በሎ ደጊሙ።

ያቶም፡ እቲ ንሕስያ ብዘይብሉ ጸቕጢ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሰሙን ከቋስሎ ዝቐነየ ቐዳማይ ሚኒስተር፡ ዝኾነ ይኹን ስለያዊ ስርሒት ዝህልዎ ፖለቲካዊ ተሃዋስነት ዘይርድኦ ምዃኑ ስለ ዝተገንዘበ፣ ሓደ ሓያል ኣስተምህሮ ኸመሓላልፍ ወሰነ። ኣብ ውሽጢ መሬት ዮርዳኖስ ስርሒት ምፍጻም፡ ነቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ቐዳማይ ሚኒስተር ይስሓቕ ራቢን ዝፈጠሮ ጽቡቕ ዝምድና፡ ከዕንዎ ኸም ዝኽእል ኣጠንቀቖ። ንመሽዓል ኣብ መሬት ዮርዳኖስ ምቕታል፡ ነቲ ብመገዲ እታ ሃገር ብዝግበር ዝነበረ ስለያዊ ንጥፈታት፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሶርያ፡ ዒራቕን ፍልስጥኤምን ዝነበሩ ጥሩፋት ጕጅለታት ክርከብ ዝጸንሐ ቐጻሊ ዋሕዚ ሓበሬታታት ክደርቕ ምዃኑ ሓበሮ። “መሽዓል ካብታ ሃገር ምስ ወጽአ ምቕታሉ ይሓይሽ፡" ዝብል ርእቶኡ ኸኣ ኣካፈሎ።

“መመኽነይታታት! ኵሉ ግዜ መመኽነይታ ጥራይ ከተቕርበለይ! ኢሉ ኸም ዘባጨወሉ ይሕበር። “ኣነ ሕጂ ስጒምቲ ኽወስድ እየ ዝደሊ ዘለኹ። እቲ ህዝቢ'ውን ስጒምቲ ኽውሰድ እዩ ዝደሊ ዘሎ፣ ሮሽ ሃሽናህ (ሓድሽ ዓመት ኣይሁዳውያን) ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ናይ ሓድሽ ዓመት ህያበይ ነዚ ህዝቢ ክኸውን ኣሎዎ።"